If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ካሕሳይ በርሀ

ናይ ሰብ ነገር(Nayseb neger)
ድሎ ኮይኑ ፊደላት ምስ ተዓንቐረ
ልጓም ይፍታሕ ሽትኡ ምስ ነጸረ
ቓታ ተጸቒጡ ቃላት ይሕንበቡ
ኣካል ንዘየድምዩ ስም ንከጸልሙ

ጉንዲ ኣብ ዓይኑ ከሎ ተተኺሉ
ገፈል ናይ ሰብ ዝርኢ ኣቶኪሩ
ኣየን እንታይ በሰሩ ዝየለሊ ምስሉ
ሰጋ ሰብ ስጋ ሰብ ክጎዛዚ ምዓሉ

ሕምይ ሕምይምይ
ሞያ ናይ ሰብ ብመልሓስካስ ግምይ
ሕሹኽ ሕሹኽሹኽ ተሓማይ እንተረኣካስ ምኽኽ
ልቢ ስቱኽ፣ፍዝዝ፣ቕዝዝ ድንዝዝ
ኣየ ኣየ ….. ናይ ሰብ ነገር
ኣየ ኣየ ….. ናይ ሰብ ነገር

በለካ ለኽዓካ ቤላ ቤለው
ነናትካ ኣቐሚጥካስ ናይ ሰብ ሃሰው
ብኣፍካ ጸፍ ምባል ግርም እባ
መልሓስ’ዶ ይድይብ ‘ዩ ዓቐብ እምባ
ራሄላ(Rahela)
ብናፍቖትኪ ዓይነይ ንብዓት ቖጺሩ
ብድኻም ሓሳብ ሕብረይ ተቐይሩ
ዝፈትወኪ ካብ ኩለን ኣብሊጸ
ሓዳር ናብራ ንዓኺ መሪጸ
ራሄላ… ቤላ ….ቤላ….ቤላ…..ኣቤላ
ራሄላ ድሃያ ሲኢነ ከቤላ
ራሄላ ድሃያ ስኢነ ኣቤላ
ላላላ……ላላ…ላላ…ላላ…..ላላ….ላላ
ኣቤላ ቤላ….ቤላ…ቤላ…ራሄላ

ክጽበየኪ እየ ኣይቖረጽኩን ተስፋ
ፈጺሙ ኣይወጻለይን ናፍቖትኪ ካብ ልበይ
ምርኩስ ናይ ልበይ ንሂወተይ ምንፈሰይ
ምርኩስ ኣካለይ ንሂወተይ ዋሕሰይ
ራሄላ ድሃያ ስኢነ ኣቤላ
ራሄላ… ቤላ ….ቤላ….ቤላ…..ኣቤላ
ራሄላ ብዙሕ ናፊቐ ኣቤላ
ላላላ……ላላ…ላላ…ላላ…..ላላ….ላላ
ኣቤላ ቤላ….ቤላ…ቤላ…ራሄላ

ንፍቕሪ ን ሓዳር(nfkeri nhadar)
ቦክሪ ፍቕረይ ዝጀመርኩላ
ብመልክዕ ጠባይ ዓይነይ ዘውደቅኩላ
ኣብ ልበይ ዘላ ሓንቲ እያ’ያያያ…
ንፍቅሪ ን ሓዳር ዝምነያ..
ሓንቲ እያ’ያያያ… ንፍቅሪ ን ናብራ ዝምነያ

ብሕውነት ዝጀመረ ፍቕርና
ምስደልደለ ክይተፈለጠና
ብናይ ፍቕሪ ኩናት ምስ ተሓደሰ
ሽዑ ግዜ እዩ ልበይ ዝደንዘዘ
ሽዑ ኣግሂደ ሽዑ ኣግሂደ ምነገርክሞ
ከም መጠን ንላዕሊ ከም ዝፈትዋ (2)

ድንግል ነብሳ ወይዘሪት ዋሕለለት
ብተባዕታይ ሙቐት ዘይተበከለት
ዝያዳ ናተይ ናይ ፈለማ ፍቕረይ
ምልኣተ መልክዕ ቆንጆ ጓል ሃገረይ
ሰስንለይ ካልእ ኣይደልን መን ኣሎኒ
ተላዘብኒ ካቲመይ ብሩረይ

ከም ተክሊ ደምበ ኮስኩስና ማይ ንህቦ
ፍረ ክንበልዕ ናይ ዑፉንና ብህጎ
ተረዳዲኡ ርሑቅ ዘስተብሃለን
ፈለማ ፍቕሪ ዝመስልዎ የለን
እቲ ትምኒተይ እቲ ሕልመይ
ጋህዲ ኩኮነለይ
ኣሚነይ ኩኒ ንሳ እያ ቃለይ
ናብራና(nabrana)
ናብራና መሬትን ሰማይን
ትሕዝቶና ኣክራን ሜዳን
ልብና ግን ማንታ ንፍቕሪ ይሰግዳ

ጋን ኮይንዎ ንሰማዒ
ደንጺዎ ኣሎ ዘርኢ
ምርኩሰይ ኩኒ ፍትውተይ
ኣብ ዘለክዮ እባ ጽንዒ

ገደና ገዛኩም ብዘብዐኛ ይሕሎ
ማዕጾ ናይ ገዛና ምስ ንፋስ ይልሎ
ምድረቤት ገዛኩም ብምንጻፍ ዘጌጼ
መንደቅ ናይ ገዛና ሕብሩ ዝቀበጾ
ደርቢ ናይ ገዛኩም ንላዕሊ ይውስክ
መሰረት ገዛና ክራይ ገዛ ይውስክ
ስም ናይ ስድራቢትኪ ማንም ይጽውዖ
ስም ስድራና ግና ኣባትነብሲ’ኮ ረስዖ
ኣብ ፍቕሪ ግን ማዕረ ትዕድልቲ ፈጣሪ
ስእኑ ረኪቡ ዝውንና ክብሪ

ጻሕሊ ናይ ገዛኩም ምስ ጮማ ዕላሉ
ጻሕሊ ገዛና ግን ሓምሊ ንሓላሉ
ሰሙናት ገዛኩም ገንሸል ይሕረዶ
ኣውዳመት ገዛና ደርሆ’ካ ንጋዶ

ኣብ ፍቕሪ ግን ማንታ እሙናት ኣምለክቲ
ህይወትና ክልተ ትርግታና ሓንቲ
ኣብ ፍቅሪ ማዕረ ትዕድልቲ ፈጣሪ
ስእኒ ረኪቡ ዝውንና ክብሪ