If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

መብራህቱ ዮውሃንስ

ሕቶ ፍቅሪ(Hto fqri)
ኣቲ ጽብቅቲ ሽኮሪና ነብሲ ነገር ተጠማቲት ሸገ ቁመና
ኣቲ መሀነን ዋና እየ ዋና ይበል መልክዕ ተዓዲልኪ ዝፍቶ ኣመና
ክሓተኪ ክሓተኪ ከይሓባእኩ ክገልጸልኪ
ካልእ ዘይኮነስ ሕቶ ፍቅሪ ፈትየኪ እየ ፈትየኪ

ርእይ ምስ ኣበልኩኺ ሃንደበት ብጎፍታ
ፍሽኽታ መንጠኽለይ ምስ ሰደድክለይ ሰላምታ
ህርመቱ ወሲኹ ናይ ልበይ ትርግታ
ፍትው ኣቢለኪ ኣነስ ብቐጥታ
እዛ ልበየ እዛ ልበየ እዚ ልበየ
ከደት ከደት እንታይ ምኻና

ድሕርሕር ከይበልኩ ዝስምዓኒ ምግላጸይ
ከም ድፍረት ኣይትቅጸርዮ ፍቅርኺ እዩ ዘላላይ
ሕማም ፍቅርኽስ ኣየመክሕን እዩ
ኣብ ዝጥዕሞ እዩ ዘጥቅዓኪ ተርኡ ሓልዩ

ድርብ
እንታይ ኢዩ መልስኺ ንስኺ ትብልዮ
እንታይ ኢዩ ሓሳብኪ ሃየ ግለጽዮ
እንታይ ኢዩ መልስኺ ትርእዮ
ዝወደቀ ፍቅሪ ጎፍታ ዘዛርዮ

ኣይክእሎን ኢየ በይነይ
ኣይጸሮን እየ በይነይ
ተዘይተቀበልክዮ ጻውዒት ናይ ፍቅረይ

ኣይክእሎን እየ በይነይ
ኣይጸሮን እየ በይነይ
ስለ ፍቅሪ ተለመኒ ስምዕኒ ዘለላይ