If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ተወልደብርሃን ቀለታ

ምልባም ይሓይሽ(Mlbam Yhaysh)
ካብ ጸቡቕ ዝውለድ ጸቡቕ ሰለ ዘየለ
ትዕግሰቲ አኡ ምርጫይ ዋላ ተበዲለ
ንዝሓዝክዮ መገዲ ፈጺመ ኣይክተልን
ኣይክተልን ምፍልላይ መሪጸ
ሕልናይ ከድሕን

ምፈልላይ ኣብ በይነይ አንተዝኸወን ሃሰያኣኡ
ዝወረደ ይውረድ ኢለ ምወሰንኩ ብኣግኡ
ኣይጠፍኣክን እዩ ግን ምፍልላይ እንተኮኢኑ መርጫና
ብዘይ ሓደ ኣበሳ’ወ መን ይጉዳእ ኣብ ሞንጎና

ዋ…….ኣነ ተፈልየኪ ልበኺ ዝሃድእ አንተኮይኑ
ሰላምኪ ክሃድእ ኢለ ምረሓቕኩ ብቐደሙ
ዘይገደፍ ይሕዘኒ ዘይገደፍ ግን ይሕዘኒ
ንድልየትኪ ከይቕበል ከይበደልኩ እናቐጻዕክኒ
ክኢለኪ ይነብር

ኣንቲ ዝብደል ኣሎ ኣብ ሞንጎና
ዝሓምም ብምፍልላይና

ምልባም ይሓይሽ ምልባም
ምልባም ይሓይሽ ምልባም
ብፍቕሪ ተሰኒፈ
ምልባም ይሓይሽ ምልባም
ናትኪ ነገር ግን ንፈጣሪ ገዲፈ

ፍቕሪ እናሃብኩ ‘ዶ ፍቕሪ ከይስእን ንሓዋሩ
ልበኺ ከመኡ ኢልሉ’ዶ ተሪሩ ክነበር ኢሉ
መዓልትስ ይህሉ ይኸውን ንቓለይ ተኽብርሉ
ዓጸፋ ናተይ ንቤትና ትሓልይሉ… ተማምቑሉ

ኣንቲ ምልባም ይሓይሽ ምልባም
ምልባም ይሓይሽ ምልባም
ብፍቕሪ ተሰኒፈ
ምልባም ይሓይሽ ምልባም
ናትኪ ነገር ግን ንፈጣሪ ገዲፈ