If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ዳዊት ተኽለሰንበት

ዶልቺ(dolchi)
ሓይኽካ ትወሓጥ ዝርበ ዘይብላ
ኣየ ተዓዲልኪ ጽሕዲ ልደት ምስላ
በሊ ተገዘሚ ልበይ ብድንግላ

ዶልቺ ኢኺ ዶልቺ ዶልቺየ ወለላ
ዶልቺ ናይ ዓለመይ ናይ ፍቕሪ ኮኾበይ
ብሰምኪ ክምሕል ብስመይ ብሩሐይ

ኣይነበር ኔረ ጸልማት ተማሓዝየ
ጽምዋ ኣስኪሩኒ ብሰባት ተጓንየ
ብሰማይ እዝጊሀር ዶልቺ ፈጢሩልይ
ዶልቺ ፈቃር ኢኺ ። ልበይ ገርሂ
። ፍሽኽታኺ ዘንጠብጥብ ወለላ
ማሙቑሉ ፍቕሪ ዶልቺየ ቤላ

ዶልቺ መሕንቀቒት ኣቤት ክትክእልሉ
ፍቕርን ቐበጥበጥን ውዕል ተሕድሩሉ
ሓምብስሉ ፍቕሪ ውሽጡ ውሻጥኡ
ኣሚነልኪ ዶልቸይ ናይ ፍቕሪ ዋንኡ
ተወሳኺ መልክዕኪ ልቦናኺ ባሕሪ
ቀይሕ ባህሪ ጌረ ምንጻፍ ክኣልመልኪ
ወረ ከም ባንዴራ ዘንጊ ክተኽለልኪ

ዋዛ ዓውደ ፍቕሪ ጥዒሙኒ ቸይቸይ
ሂወት መቂርለይ ሳላ እዛ ፍትውተይ
ንልበይ ልባ ኢኺ እታ ዓይኒ ማይ
ዛራ ማይ ፍቕሪ ልበይ ዝሓርያ
ርውየት ጽምኣተይ ፍጥረታ ንቕያ ንሳ’ያ ንሳ

ሰብ እንታይ ገደሶ መን ከብዱ ረገጾ
ኣይኮናን እዩ ንሱ ኣይትኾኖ ንሳ
ዘይ ክልተ ሓደ እዮም ዘይብሎም መለሳ
ለካስ ተባሂሉ ዘረባ ኣዳም ከም ሓመደ ግዳም
ኣየ ነገር ሰብ’ሲ ጉዳምዩ’ባ ጉዳም

እናተሰራሰርኩ ብእሩሩ ባባ
መንጨቲ በዚሑ ሕሜታ ዘረባ
ንልበይ ልባ ኢኺ እታ ዓይኒ ማይ
ዛራ ማይ ፍቕሪ ልበይ ዝሓርያ
ርውየት ጽምኣተይ ፍጥረታ ንቕያ ንሳ’ያ ንሳ