If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ቴድሮስ መንግስቱ

እንታይ ክትረኽቢ(Entay Ktrekbi)
ኣቲ እንታይ ክትረክቢ ኣቲ እንታይ ክትረክቢ
ንፈላለ ንፈላለ ትብሊ
ምፍልላይ ንፈልጦ እንዲና
በሰልኡ ኣሎ ኣብ ልብና

ፍቕሪ ዘይሰለጦ ዝስክሓልኪ
ቁስሉ ጎዲእክዮ አንታይ ኢኺ ክትረክቢ
ቃንዛ ምፍልላይ ሕማም ኣሎ ኣብ ውሽተይ
ዝሓይሽ ሕሰቢ ውጽዕቲ ኢኺ ሰበይ

ኣይትጓንዮ ጸግዕና እዩ ፍቅሪ
ሑሉፍና ከይድገም ንጸሊ ናብ ፈጣሪ
በጃኪ' ባ ሁሱያት አንተኔርና
በጃኪ'ባ ኣይንጉዳእ ልብና
በጃኪ'ባ ጌጋ ኣይትድገሚ
ግደፊ ስለ ፍቅሪ ሕሉፍኪ ኣህድሚ

ቁስልና ክንሕዊ አንዲና ተራኺብና
ሑሊፍና ከነዕሪ እንዲና ተራኪብና
ንፈላለ ኣይትበሊ እንታይ ጥዑም ከይበና
ምፍልላይ ድኣ ፈቲንናዮ እንዲና

ዝደመየ ልቢ ተተጎደኣ አናሻዕ
ካልአ ኣይህሰን አዮ ንሕና አና ንውጻአ
ከምዘይነባዕክለይ ኢልኪ ተጠሊመ
መን ዕዉት ርኢኺ ጌጋ ዝደገመ
አቲ ዝደጋገመ ,,,,,,,,,አቲ ዝደገመ
ብዱል ከሎ ፈቃር ልብና
ኣይነንድዶ ላምባ ክዒና
ምፍልላይ ከምዘይንከሎ
ልብታትና ይነግረና ኣሎ
ምሽ ኢለኪ ንዒ ክበሪ
ከማኺ እየ ብዱል ኣብ ፍቕሪ

አንታይ ኪትረክቢ ኣቲ አንታይ ክትረክቢ
ተፈላልዮ መን ረኪቡ ዓስቢ
ንመላላአ መሊአካ አዩ ፍቅሪ
ንሰኣኣል ልቢ ኣይትሕጽሪ
ኣይትጓንዮ ጸግዕና አዩ ፍቅሪ
ሕሉፍና ከይድገም ንጸሊ ፈጣሪ

እንታይ ስኢንኪ ኣቲ እንታይ በዲለ
ብዘይ ጌጋ ትብሊ ንፈላለ
ኣብቲ ሕሉፍና ናይ ሂወት መንገዲ
ኣነ ብጓል ንስኺ ብወዲ
ነቢዐልኪ አንዲየ ኣነ ድማ ኢለ
ንምንታይ ሕጂ ትብሊ ንፈላለ