If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሰምሃር ዮውሃንስ

ዝያዳይ(Zyaday)
ዝያዳ ኹሎም ዝያዳ ኹሎ’ሜ ንስኻ እንዲኻ ዝያዳ ኩሎም
ዝያዳ ኹሎም ዝያዳ ኹሎ’ሜ ንስኻ እንዲኻ ዝያዳ ኩሎም

ሓዘኒ ሓዘኒ ሓዘኒ ሓዘኒየ
ተዋሊኣ ነብሰይ ፍቕርኻ ሒዙኒ
ዕራርቦ ጽሓይ ‘ዶ በይነይ ትሰደኒ
ዝያዳ መሳካ ‘የ ልብኻ ሃበኒ

ዝያዳ ኩሎሜ ሸገ ስውንዋኖ
እንተዘይ ርእየካስ ከመይ ደየ ዝኾኖ
ግራት ናይዛ ልበይ ፍቕርኻ ዝኣርሉ
ንዓኒ ዝያዳይ ካዕቦ ሕፈሰሉ

ሓዘኒ ሓዘኒ ሓዘኒ ሓዘኒየ
ተኻኢላ ነብሰይ ፍቕርኻ ሒዙኒ
ዕራርቦ ጽሓይ ‘ዶ በይነይ ትሰደኒ
ዝያዳ ምሳኻ’የ ጎጆኻ የእትወኒ

ዝያዳ ኩሎም’የ ናይዛ ልበይ ፈውሲ ንዓኒ ዝያዳ ፍቕርኻ ከሳሲ
ዘይተንሳፈፈኒ ኣብ ባሕሪ ፍቕርኻ
ጽበየካ ‘ለኹ ሃሪፈ ሑቕፎካ

ዝያዳ ኹሎም ዝያዳ ኹሎ’ሜ ንስኻ እንዲኻ ዝያዳ ኩሎም
ዝያዳ ኹሎም ዝያዳ ኹሎ’ሜ ንስኻ እንዲኻ ዝያዳ ኩሎም
ንስኻ እንዲካ ዝያዳ ኩሎም(2)
ዝያዳ ኩሎም ንዓኒ ከይተጸልለኒ
ኣታ ነዛ ጨርቀይ ክድርቢ ኣንታይ ተሪፉኒ
ናይ ልበይ መራሒ
በለኒ’ባ ብልሒ
ኣብቲ ሸኻ ሰውሒ
ምእስኺ ዘርግሒ
ዝያዳየ ዝያዳየ …ወይለከ…ዝያዳየ
ዝያዳየ ዝያዳየ ዝያዳየ ማሙቐኒ ሕቖፈኒ ቕረበኒ
ምሳኻ’የ ዝያዳየ
ወዲ መስሌኔ(wedi meslienie)
ወዲ ምስሌኔየ ዓቀይቲ ዓጀብትኻ
እወ ተሓምበለ ግርማ ዓደቦኻ
በጃ ኣልቦ ከብዲ ኣንታ ኣርሓ ሽደን
ዕጡቅ በዓል ስረ ከማኻ ኣይተወልደን

ኣስተብሂልካለይ ዲኻ ብኣኻ ምዕባደይ
ፈሊኻ ጸዊዕካኒ ካብ ማእከል ሰናዶይ
ኣነ እንዳ ጓል ዓዃይ ናብ እንዳ ምስሌኔ
ንዓይ ክትሓርየንስ ኣይፈልጥን ሓሊነ

ዘይትድፈር በጽሒ ሒለል ቑመናኻ
ጎበዛይ ሒለል ቑመናኻ ጎበዛይ
ከመይ ኢለ ክቀውም ደው ኢለ ኣብ ቕድሜኻ
ደው ኢለ ኣብ ቕድሜኻ ጎበዛይ
‘ታይ ሕቶ ደሊካ ገጸይ’ዩ መልስኻ
ከይደቀስኩ ዝሓልሞ ክኸውን ንዓኻ

ወዲ ምስሌኔየ ዓቀይቲ ዓጀብትኻ
እወ ተሓምበለ ግርማ ዓደቦኻ
በጃ ኣልቦ ከብዲ ኣንታ ኣርሓ ሽደን
ዕጡቅ በዓል ስረ ከማኻ ኣይተወልደን

ወዲ ምስሌኔ ወዲ ቶም ሰብ ትሕዞ
ኮይነልካ ለኹ ከምታ ትብህጋ ጎርዞ
ትጽቢተይ ንዓኻ ኣሕጺርካዮ ዕምሩ
ግዝእቲ ፍቕርኻ ትምኒተይ ሰሚሩ

ወዲ ምስሌኔ በዓል ወርቂ ጋማ
ኣታ ደግለላይ ወዲ ፈረቓ ከተማ
ትዕደልቲ ፈጣሪ’ዩ ኣባኻ ምእታወይ
እነኹ ጸዲቐ ከይመትኩ ብደወይ
ከይመትኩ ብደወይ(4)