If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሊድያ ተክለማሪያም

(ኣሎ እንዳተባህለ)(alo endatebahle)
ኣሎ እንዳተባህለ ዕዝር ኢልካ ምሩጽ
ኣብ ኣፋፊት ክጽበ ቀቢጸ ዘይቀብጽ
ትሕዞኻ ይመስል ነይሩ ከም ኣታሕዛ ነብሪ
ጀሚርካ ትለቅቕ እኳ ዘይመሰልካኒ እኳ ዘይመሰልካኒ

ክርሰዓካ ክብል እንታይ ዘይሓሰብኩ
ተተመሰለለይ ኢለ ኣበይ’ከ ዘይኣተኹ
ኣበይ አሞ ኣበይ አሞ ኦሮማይ
መልሕቕካ ዘርጊሕካ ከምታ ባቡር ቀላይ

ሕግብግብ’ኳ ኢለሉ ከምዛ ድራር ዓይኒ
እንታይ ክባቑጥ ዝኽርኻ
ቀለብ ንዘይኮነኒ
እነኹልካ ሳጽየ ወዲኣልካ ነብሰይ
ይርአ ኣብ ጎሮሮይ ዝሰተኽዎ ማይ

እውይ ሕልፍ ተትብለለይ ከምዛ ሕማም ንፍዮ
ኣሄ ገለ ገለ ኔሩ ዝኽርኻ ክርስዖ
ኣበይ አሞ ኦሮማይ
ኣበይ አሞ ኣበይ አሞ ኦሮማይ
መልሕቕካ ዘርጊሕካ ከምታ ባቡር ቀላይ

ኣይግዱ ኣይግዱ ፍቕሪ ዘይናቱ
ውዕል ዘይብሉ ዘርሓቐ እግሩ
ሩሕካ ጠቕሊልካ ዝገዓዝካ ዝጨከንካለይ
እንታይ ክትገብር ትመላለስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ
ኦሮማይ ኦሮማይ ኦሮማይ ኦሮማይ
መልሕቕካ ዘርጊሕካ ከምታ ባቡር ቀላይ
ኦሮማይ ኦሮማይ
ኦሮማይ ኦሮማይ