If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ኣብርሃም ኣለም

ተሰማሚዑኒ ‘ሎ(Tesemamiuni Aloe)
ንዓዓ ካብ ዝረክብ ብፍቕሪ ቐሲነ
መቺኡኒ ኣሎ ጸቡቕ ኣለኹ ኣነ
ብፍቕራ ተማእኪለ ወትሩ ሕጉስ ኮይነ
ተሰማሚዑኒ’ ሎ ተሰማሚዑኒ’ ሎ እንታይ ከሲረ


ሰብ እያ ኮይናትኒ መጸግዒት እምባ
ካብ ኩርኳሕ ናብራ ኣውጺኣትኒ ካብ ጸበባ
ቀይራቶ ሂዎተይ መቐይሮ ይሃባ
እዛ መፍትሕ ሂዎተይ ፍቕሪ ዝድባባ
ሓንጎፋይ ኢላ መርሓባ መርሓባ
ልበይ ኣቕሲናቶ ኣስትያትኒ ጸባ
ፍቕርን ክብርን ይሃባ
እነኹ ከቢረ
ተሰማሚዑኒ ኣሎ ወትሩ ሕጉስ ኮይነ

ጽምዋን ትዝታን ቶባ በቓ ኢለየን
ሓጎስን ደስታን ተማሓዝየየን
ፍቕርን ምፍቃርን ሎሚ ፈሊጠየን
ስለ እዛ ርሕስቲ ሄዋን
ተሰማሚዑኒ’ ሎ ተሰማሚዑኒ’ ሎ (2)

ብሓቂ ርሕስቲ ሄዋን
ብዘይ ጥርጥር ኣማን ብ ኣማን
ፍቕሪ ትኣምን ቅንዕትን ፈቃርን
ብፍቕሪ ትዝምር ኣብ ዝኾነ እዋን

እቲ ትማል ትማሊ
ከይፈለጥኩ ፍቕሪ
ይሕሰሞ ነይረ
ሰቕ ኢለ ብሃውሪ
ሕጂስ ፈሊጠዮ ዕሙቀት ጣዕሚ ፍቕሪ
ተሰማሚዑኒ’ ሎ ተሰማሚዑኒ’ ሎ (2)
መቑንነይ(Mekununey)
መቑንነይ…መቑንነይ…መቑንነይ……መቑንነይ
ሕማቕ መዓልቲ እንድዩ ተጓኒፉኒ
ክጋገ መዓስ መደብ ኔሩኒ
ይቕረ….ይቕረ….ይቕረ…..ይቕረ

በጃኺ’ባ ንሎሚ ግበርለይ ሕድገት
ደሓር ኣይደግምን ኣይጋገን ዘበት
ቀደሙስ መቁንነይ ንእስነት ኮይኑ እምበር
እንታይ ዋጋ ኣለዎ ኣብ ልዕሌኺ ምዛር
ኣብ ልዕሌኺ ምዛር

መቑንነይ’የ ሸለል ምባል ከኣ ልመድዮ
ሰነፍ ኮይነ ሓሳባተይ ብስለት ዝይቃነዮ
ብጌጋ’የ ተደርብስሸ ኣነ ተታሊለ
ሓሲብዮ ኣይፈልጥን ካባኺ ክፍለ
ብጽሕተይ ……… ብፍላጥ ኣይኮንኩን
ንልብኺ ሰይረ
መንገደይ ከይቅይር ግበርለይ ይቕረ
ብጌጋ’የ…… ብጌጋ’የ……ብጌጋ’የ
ብጌጋ’የ ዊዒለዮ አንበር ኣበይ ሓሲበዮ ኣነ
ኣይ …….አወይ …..
ወለላይ ማአገረይ ሰይረ
ይብለኪ ኣለኩ ይቅረ ….ይቕረ …..ይቕረ....ይቕረ

ሕደግለይ በቃ መቑንነይ
ይቅረ ይኹንካ በሊ
ኣይደግሞኔ ጸባሕ ጌ ጋ ናይ ትማሊ ጌ ጋ ናይ ትማሊ
ኩሉ ዘክርዮ መቑንነይ ዝሓለፈ ኩሉ
ፍቅርና ንምለሶ ኩሉ በውዋኑ …ኩሉ በውዋኑ
አንተሊካ ኣብ ርአሲ ምድሪ ርአሲ ምድሪርአሲ ምድሪ
ናይ ግድን’ዩ ጌጋ
ወሪዱኒ አንበሪ ፈትየ መዓስ ኮይነ ወዲቐ ኣብ ሓደጋ
መቑንነይ’የ……..ሕደግለይ …….ሕደግለይ……..
ኣይአሎኔ’የ ካባኺ ክፍለ
ደጊም ይኣኽለኒ ተቀጺዐ ኣለኹ ይቕረ ግበርለይ…..
መሓዛይ(Mahazay)
ዘይጽገብ ለውሃትኪ
መለክዒ ኣልቦ
ማኡዝ’ዩ ቃላትኪ
ሓልዮት ዝምገቦ
ሎምስ ኣፍሪህክኒ
ቃናኡ ከይቅይር
ካብ ሕውነት ናብ ፍቕሪ
ከይዝንብል ኣመቱ
ይቕየረኒ’ሎ ኣጣምታ ኣዒንትኺ
ኣይፈተኽዎን እቲ ጋሻ ባህርኺ
ሓፍተይ ማዓረይ እዋይ
ከይስከፍ ንመልሲ
ኣይተፍቅኒ ኣይተፍቅኒ ኣይተፍቅኒ

ላላ .... ላላ ....
ዘፍቅራ ኣላትኒ ብልቢ ዘኽብራ
ንዘንትእለት ልበይ ዝሓዛእኩላ
ማሕላ ሎኒ ኣነ ንከይጠልም ልባ
ንሳ ውን ከማይ ዝመሓለቶ ኣለዋ
ዋይ .... ዝያዳይ .... ዝያዳይ .... ማሓዛይ ....

ኣለኹ ኣብ ጎንኺ
ሓውኺ እንድየ ምሳኺ
ሕውነትና ይዓቢ ኣይተፍቅርኒ ብልቢ
ስምዕኒን’ዶ ማሓዛ’የ ኣቲ ማሓዛ’የ ኣቲ ማሓዛ’የ
ኣላይተይ
ምልክዕትን ርህርህትን ማሓዛ’የ ዝያዳ’የ
ኣነ ሓውኺ ኣፍቒረ’የ
ዘክሪ ሕውነት ዘሕለፍናዮ ዘክርዮ
ዝን ኣይትበሊ ስቅታ ግደፍዮ
ላላላ ላይ ላላላ ላይ ዋይ ላላላ ላይ ዋይ