If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሰሎሜ ማሕራይ

ዝብሎ ኣለኒ(Zblo aleni)
ስማዕ ፍትወይ ዝብሎ ኣለኒ
ብዛዕባ ጉዳይና ዘሕስበኒ
ብሎሚ ጸባሕ ዘየቕሰነኒ

ክሳብ መዓስ ተማዓዲና
ዓመት የሕሊፉ ኮ መርዓና
ንዓባ ሎምስ ንፍለ ብርክና
ቤትና ዘፍረዮ እና ተቓደስና
በቓ ይኣክል ንቑማ ቤትና

ተመሪቐ ዝወጻኹሉ
ክቕመጥ ከቢድ እዩ እምብዛ
ዛጉዳይና ዕትብ ኢልና ንሓዛ
መሶብ ስድራይ ክኸፍት ዝሽቑረሮ
እቲ ለይቲ ብኾፈይ ዝሓድሮ
በቃ ኩሉ በጃኻ ንሕጸሮ
ሕራይ በለኒ ጉዝጋዘይ
ዓንዲ ግርማ ቤተይ

ቀለብ ዘልኣለምፍቕሪ ከለና መከባበሪ
ምክእኣል ከሎ ኪዳን ጠማሪ
ኣልግብ ዘብላ ኣብዛ ዓለም ጻዕሪ
ሃብትን ንዋይን እንታይ ገባሪ

ከም ኣዴታተይ ገጥ ኣቢለ ክሕዛ እየ እዛ ሓዳረይ
ዋና’ዛ ነብሰይ ዝጾርካ ጾረይ
ኣነ ውን ከማኺ በለኒ ፍቕረይ
ምሳኻ ከብላ ታዘላ ዕምረይ

ማዕዶ ማዕዶ ሕጂስ ይኣክል
ከምታ ቐደምና ኣብ ፍቕሪ ነትክል
ከምቲ ወግዒ ስድራ ክንተክል
ተፋሪና ዓዲ ክንኣክል

ሓሳባ ምንባር እያ ምድሪ
ሓወይ ሓጻር እያ እታ ዕምሪ
ሓንቲ ኣላ ፍቕሪ ናይዛ ሂወትና

ኢድ ን ኢድ ተታሓሒዝና
ቅኒትና ናብ ሓደ ኣስሚርና
ዓቀብ ናብራ ዋጋ የብሉን ክንወጾ ኢና