If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ባጀት መሓሪ

ሓዴና ምረጺ(Hadiena mrexi)
ሓዴና ምረጺ ፍቕረይ
እቲ ፍርዲ ካባኺ እዩ ሰበይ
ወይ ምሳይ ፍቅሪ ምስ ድኽነት
ወይ ምሰኡ ሚቾት ብዘይ ክብረት

ሓዲኡ ምረጺ እወ ፍቕረይ
ነዊሑ እወ ቀቲልክዮ ጊዜይ
ወይ ፍቕሪ ምስ ቑራጽ እንጌራ
ወይ ሚቾት ብዘይ ርጉእ ናብራ

ዝተፈራረቐ ሰምዒት ኣብ በሩህ ገጽኪ ነቢበ
ክሳብ መዓስ እዩ ከምዚ ኢልኪ ርገጺ እወ ኣብ ሓደ
ይሓይሽ እንተኢልክዮ ምቾት ፍቕሪ ኣብዘይብሉ
ኣይትጠራጠሪ ጥራሕ ቖሪጽኪ ኩኒ ንዑኡ
ንሱ ብጥቑሉል ኣነ ብሽሩፍ
ኣበይ ንራኸብ ሕሉፍ ምስ ትሩፍ
ዕድልኪ ኮይኑ ድሌት ክልቴና
ኣንጸላሊኪ ተካል ደበና
ግዜ ይኸደኪ ኣሎ ሓፍተይ ኣብ መንጎና

ኣትትጠራጠሪ ኣይትወላወሊ ርገጺ ኣብ ሓደ
ክልተ ክትጥምትስ ከይትስእኒ ሓደ
ኣትትጠራጠሪ ኣይትወላወሊ ርገጺ ኣብ ሓደ
ዝሓይሽ ወስኒ ግዜ ከይ ከደ

ተማኺርኪ ምስ ሕልናኺ ዝመስለኪ ፍረድና
ሰንፈላል ኮይኑ ሂወትና
ንመን ኢኪ ካብ ሓዴና
መንና እዩ ጥሒሉ ኣብ ሰልሚ
ብተስፋ ጥራሕ ብሕልሚ
ዝሳለ ዘሎ ብኸንቱ
ይፍለጥ ከምዘይኮንኪ ናቱ

መንና እዩ እቲ ቐንዲ ኣውራ
ኣብ ልብኺ ዘለዎ ስፍራ
ኣቃልሒ ብስራቱ ይፍለት ከምዝኾንኪ ናቱ

ኣትትጠራጠሪ ኣይትወላወሊ ርገጺ ኣብ ሓደ
ሽፉን ብሽፉንስ ምረጺ ንሓደ
ኣትትጠራጠሪ ኣይትወላወሊ ርገጺ ኣብ ሓደ
ዝሓይሽ ወስኒ ግዜ ከይ ከደ