If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ትርሓስ ተኽልኣብ

በዲለካ ኢየ(bedileka iye)
ኣንታ ዓለመይ ዓለመይ ዓለመይ
ንእስነት ዕዳ እዩ ፍቕሪ ግርህነት ዓለሙ
ስምዒት ዝድርኽ ፍቕሪ ልቦና ቀቢሩ
ልሳነይ ዝበሎ ውሽህጥካኻ ይጽሮ
ሕሉፍ ኣይትዘክር ዕሽነት እዩ በሎ ዓለመይ

ኣንታ ሓላይ ጸዋር ልኡም መምህር ፍቕሪ
ድፉን ዓይኒ ልበይ ዘርሓኻ ብዓቕሊ
ምልስልስ ምባል ኣብቲ ዝውዕሎ
ብፍቕሪ መዃኑ መዓስ ኣድሂበሉ

ምልስልስ ምልስልስ ምባልካ
ምልስልስ ምልስልስ ምባልካ
ኣናበልካ ዘብዘብ እናበልካ ዘብዘብ
ኣንታ ጎበዛይ ዓለመይ
ልቢ ሂብካ ፍቕሪ ክትቅበል
መዓስ ተገዲሰ መዓስ ተገዲሰ
ኣኽቢረካ ከም ሰብ በዲለካየ፣

ንስኻ ግና ግና ኪንዮ ተግባራተይ
ጥሒልካ ኣብ ውሽጠይ
ተጻዊርካ ምህላለይ
ትዕቢተኛ ባህረይ


ንስኻ ግና እግሪ እግረይ ስዒብካ ኣሰረይ
ፍቕሪ መቂልካኒ ለዊጥካዮ ባህረይ

ኣንታ ጎበዛይ ኣንታ ዓለመይ
በዲለካ ‘የ ትማሊ ከምዝነብር በይነይ
ዘይገሃድ ሓቂ ስእሊ ኣሎ ኣብ ውሽጠይ
ኣንታ ጎበዛይ ኣንታ ዓለመይ

ኣሰረይ ክትሕሉ ንፍቕሪ ደሊኻ
እንተርፎ ውርደት ካባይ እንታይ ረኺብካ

ትማል ትማል ዝሕለፍካዮ
ትማል ትማል ዝሕለፍካዮ
ሎሚ ክዝክሮ ውዕለትካ ከቢድ እዩ
ብስክፍታ ይልሎ ብስክፍታ ይልሎ