If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሙሴ ዘካርያስ

ዋና ግርማ(Wana Grma)
<pre>
ብመልክዕ ቁንጅና የብልክን መዘና
መን ኣላ ከማኺ ማመት ናይዛ ምድሪ
ካዕቦ ዝተቀብአት ስልማት ፈጣሪ
መን ኣሎ ኣብ ልዕሌኺ ወናሜ በሃሊ
ከወኒ ዝልሀ ስምዒቱ ንላዕሊ
ትፍተሊ ጉዳም ትፍተሊ
ከም’ዚ ከማይ ልብልቦም ተንተልጥሊ
ዋና ዋና ዋና ዋና
ዋና መልክ -ዋና
ይበል ቁንጅና -ዋና
ነብሲ ነገር -ዋና
ኣቤት ቁመና-ዋና
ሃነን መሀነን ጥዕምቲ ጨና
ሽታኺ ማይማዮኣደ ንጽህና
ዕምባባ ጥቅምቲ ሓቂቒ ማይ ትሰቲ
ወረታ’ዩ ትርኢትኪ ዓይኒ ዘወዛውዝ
ቅዝዝ ምዝዝ ኢለ ንዓይኒ ዘፍዝዝ
ደረትኪ ድየ ክብሎ ወይሲ መናኹርኪ
ሕዩር ኢዩ ጌሩኒ ሽዓ ኢለ ፈትየኪ
ስምረትኪ ሰሓቢ ስምረት ዓይኒኩሕሊ
ውህደትኪ መሳጢ ውህደት ደምን ልብን
ወየ ………………….
ዋና ግርማ ማራኪት ክንሳ ትግረም ብሰባት
ክንዲ ክንዳኣ ዘይኣኽላስ መሊሳ ተድንቀን ክብሪ ሂባ
ቦቅባቅ ከብዳ ማዕበል ሕውነት ፍቅሪ
ሓልዮት ዝጅለባ ክብሉኪ ሰሚዐስ
ጥርዚ በጺሑ ሓጎሰይ ኣስቲኽኒ ጸባ
ክበሮ ኣብ ዝባንኪ ደሚቁ ክርአ
ቀመም ጓይላ ክብሉኪ ብእዝነይ ሰሚዐ ፈትየ ግዲ ኮይነስ ኣመና ፈሪሀ
ኣሳፍሕለይ ክብለኪ ንውሽጠይ ጋሊሀ
ስምረትኪ ሰሓቢ ስምረት ዓይኒኩሕሊ
ውህደትኪ መሳጢ ውህደት ደምን ልብን
ወየ ………………….
ዋና ግርማ ማራኪት ክንሳ ትግረም ብሰባት
ክንዲ ክንዳኣ ዘይኣኽላስ መሊሳ ተድንቀን ክብሪ ሂባ
ቦቅባቅ ከብዳ ማዕበል ሕውነት ፍቅሪ
ሓልዮት ዝጅለባ ክብሉኪ ሰሚዐስ
ጥርዚ በጺሑ ሓጎሰይ ኣስቲኽኒ ጸባ
ኣየወ ጽባቐ ከም ሕዛእቲ ልቢ መን ዘይዘርዐ
ትምኒተይ ዛይዱስ ሕልፊ ኩላትኩም ብፍትወት ነቢዐ
ኣብቲ ክትፍትሊ ክንጥስጥስ ክትብሊ ወኒ ተላዕሊ
ጫፍ ገረብ ኣሲርኪ ፈትሊ ልቢ ተንጠልጥሊ
ዋና ኢኺ ዋና ኢኺ ዋና’ወ
የምሕረልኪ’ወ
ኣኺለ ዝበለስ ናባኺ የጉባዕብዕ
ብኹልንትናኺ ልቦና ዝመልአ
ድምቀትኪ ክበርህ ክበርህ
መሀነኒተይ ኩሉ ተሃኒኑልኪ
ብግርማኺ ምግራመይ ይግረምኪ
ጥምት ውዒለ ምጽጋብ ስኢነኪ
ሃነይነይ ኢለልኪ ዕብድብድ ኢለልኪ
</pre>