If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ቃልኣብ ተወልደመድህን

ካንዶ'የ(kandoye)
መተን ናይ ፍቕርኻ እባ ግለጸለይ
ክትፈልጢ ደሊኺ ዓቐን ናይ ፍትወተይ
መልሱ’ዶ ቀሊል‘ዩ መልሱ’ዶ ቀሊል‘ዩ
ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ
ክትመልስ ምሕሳብ ሲ ሕልሚ’ዩ ቲ ሕልሚ(3)

ንገረኒ ትብሊ ጫፍ ናተይ ፍቕሪ
ምቑጻር ‘ዶ ይከኣል ሑጻ ገምገም ባሕሪ
ንገረኒ ትብሊ ጫፍ ናተይ ፍቕረይ
ፍቐድዮ ቅድም ከዋኽብቲ ሰማይ

ረዚን ሕቶ ኣልዒልኪ ኣይተዋጥርኒ
ተግባረይ ርኢኺ ባዕልኺ ምዘኒ
ምግላጽ’ዶ ቀሊል’ዩ ኣብ ልብኻ ዘሎ
ብኡነት ከቢድ’ዩ ፍጹም ዘይኽእሎ

ልሳነይ ጽን እንተበለ እንተዘይ ተዛረብኩ
ኣብታ ውሽጠይ ዘሎ ምግላጽ እንተሰኣንኩ
ዓይነይ ጠምቲ’ሞ ውሽተይ ኣምብብዮ
ቃላተይ ንምስማዕ ሕቶ ግደፍዮ..ግደፊ

ትሓትኒ ሕቶ ከመይ ኢለ ልምልስ
ቀሊል መዓስ ኮይኑ
መልሰይ ኣብ ውሽጠዩ ፍቕሪ ብሽፍኑ
ቃል በቃ ኣኺሉ

ብዘይ ገለ ቕልስ
ፍቅሪ ኣያ እታ መልሲ
ሕቶ’ባ ኣይተውሕዚ
ፍቕሪ ኣያ እታ መልሲ ትንታነ ዘይብላ
በቃ ኣብኣ እንከላ

ካንዶየ ካንዶየ ካንዶየ ካንዶየ ካንዶየ
ቀሊል’ዶ ጌርክዮ ካንዶየ
ይብረዝ’ዶ ሞ ኢልኪ
እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ካንዶየ
ትብልኒ ከኣሎ ካንዶየ
በቃ ምፍቃር ዓቕመይ ዝኽእሎ