If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ኣብረሃም ኣፈዎርቂ

ሰማይ(semai)
ሰማይ: ብኣብራሃም ኣፈወርቂ
ኩሉ ሓላፋ'ዩ ኢለ ገሚተ
ስግር ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ
ይጽዕር ኣለኹ ብተስፋ
ነዛ ሕማቕ እዋን ንኽሓልፋ

እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ
ቃልስስ መናብርተይ'ዩ ናይ ቀደመይ
ንጊዚኡ'ኳ እንተሓየለኒ እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ

ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ ኢዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ

ፍሽኽታ ኣመለይ
ኩሉ ጼረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ

ናብራ ከቢዱኒ እንዳማረርኩ
ጥዕና ዘይብሉ ምስራኣኹ
ኣጸናኒዐያ ንነብሰይ ኣረጋጊኤዮ ንመንፈሰይ
ለካ ዋሃቢ'ምበር ኣይኮንኩን ሓታቲ
ተጸባዪ ኣይኮንኩን ተመጽዋቲ
ጥዕና ኣይኽልኣኒ ምስተስፋ
ትምረር እምበር ሂወት ከሰንፋ
ምዃነይ እነኹ ኣሚነ
ዝሓዝኩዎ ሒዘስ ኣመስጊነ

ፍሽኽታ ኣመለይ
ኩሉ ጼረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ

ምስግን'ዩ ሕጉስ ዝዕገስ'ዩ ሓያል
ዘዋህልል'ዩ ለባም ይኣኽለኒ ምባል ዝፈልጥ'ዩ ሃብታም
ክባሃል ሰሚዐ
እንተስ ኣሚነሉ እንተስ ክጻናናዕ
እንተስ ኣሰማሚዐ
ደሓን ክሓልፍ'ዩ እንዳበሉኒ
ባብ ዓይነይ ሪአ
ኣቤት'ወ ክንደይ ዲዩ ሓሊፉ

ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ ኢዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ

ፍሽኽታ ኣመለይ
ኩሉ ጼረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ኣይሕለልን ክሳብ ዝኾነለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ

ኩሉ ሓላፋ'ዩ ኢለ ገሚተ
ስግር ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ
ይጽዕር ኣለኹ ብተስፋ
ነዛ ሕማቕ እዋን ንኽሓልፋ

እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ
ቃልስስ መናብርተይ'ዩ ናይ ቀደመይ
ንጊዚኡ'ኳ እንተሓየለኒ እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ

እወ! እዋን ሕስብ እንተበልኩዎ
ስፍሓት ሂወት ከምዝተዓዘብኩዎ
ነቲ ጽቡቕ ዝበለጸ'ለዎ
ነቲ ሕማቕ ዝባኣሰ'ለዎ
ነቲ ጣዕሚ ዝጠዓመ'ለዎ
ነቲ ሕሰም ዝመረረ'ለዎ
ጫፍ ጽቡቕን ሕማቕን ዓቂነ
ከለልዮ ዋላ እንተፈቲነ
ኣበይ ከይክእሎ ኣነ ሰብ ዝኣነ

ፍሽኽታ ኣመለይ
ኩሉ ጼረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፈገግታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ኣይሕለልን ክሳብ ዝኾነለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ

ዓለም ከም ባሕሪ'ያ ከምዝብሃል
ክሕምብስ ዘይክእል ንኸይጥሕል
ሓቢርና'ዶ ጸገምና ነቃልል
ክንባላሓት ዝያዳ ክንጋደል
ስለቲ ሽግር ትወልዳ ንጥበብ
ብኣካል ብመንፈስ ንራኸብ
ሂወት ከነማሓይሽ ክንላዘብ

ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ ኢዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝምሰለለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ

ፍሽኽታ ኣመለይ
ኩሉ ጼረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ

ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቂያኖስ'ዩ ዓቕለይ
ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይዕገትኒ'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ

ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ኣይጽንቀቕን'ዩ ሓይለይ
ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ

ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ መሬተይ
ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቂያኖስ'ዩ ዓቕለይ
ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይዕገትኒ'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ

ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ኣይጽንቀቕን'ዩ ሓይለይ
ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልን ሰማይ'ዩ ደረተይ

ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ መሬተይ
ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቂያኖስ'ዩ ዓቕለይ
ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ
ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ መሬተይ