If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሚለን ሃይሉ

ኣፍቂረካ ኣለኹ(afkireka aleku)
ኣንታ ዘለላየ ሎሚሲ በዚሑ ወጽዓይ ወጽዓይ ወጽዓይ
ኣንታ ወለላየ ሎሚሲ ብኢሱ ቃንዛይ ቃንዛየ ቃንዛይ
ክትኣመን ክትፈልጥ ፍትወይ ሕልናይ ዓሪቡ ብደወይ
በጃኻ ልበይ ኣይትስበሮ
ከማይ ኩን ኣፍቂርካ ክኣሎ
ኣንታ ኮኾበየ ሎሚሲ ረቂቁ ልበይ ልበየ ልበይ
በል ሕጂስ በቓ ዓቕሊ ኣጽቢበ
ክትኣምን ክጸለል ቐሪበ
ንስኻ ጥዕናይ ሕማመይ
ፍውስኻ ዘይትበኒ ከመይ

ሓሚመ እኮየ ሓሚመ
ደኺመወ’ታ ሓሚመ
ዓበድበድ ኢለ ብ ፍቕሪ
ኣብ ፍትወትካ ተሸሚመ

ዓቢደ እንድየ ብፍቕሪ ዓበድበድ ኢለ ዓቢደ
ኣይርኢ ኣይሰምዕ ጌርካኒ
ብትዝታ ተዓኒደ

በዚሑ ሎምስ ወጽዓይ በዚሑ
በዚሑ ትጽቢት ልበየ ሎመስ ፈሪሑ ልበይ


ቅልውላው ድዩ ፍቕሪ ዝቐላልወኒ ትሃስየኒ
ልበይ ካብ ወሰድካልብኻ ሃበኒ ዘይትበኒ
ኣውያት ውሽጠይ ስኢኑ ሰማዒ እንድዒ እንድዒ

ሃባ ሃበኒ እንካ ልበይ
ሃበኒ ሃበኒ እንካ ቐልበይ
ምሳኻ’ሎ ኮኾበይ
ዓራት ተሓዝኩ ተደኒሰ
ተራኣኻኒ ተረሚሰ
እንታይ ትረብሕ እንታይ
ንምንታይ ኢኻ ሓውይ ንምንታይ ትሃድም ካባይ

ንዓ በል ንዓ ኣጆኻ ኣንታ ዑንቒ ባሕሪ
ንዓ በል ንዓ ሃባ ዝብል ፉሕፍሕ ፍቕሪ
ፍቕሪ ወሲድካስ ፍቕሪ ምለሰለይ
ኣማሙቐኒ ይኣክል ሙቕራረይ

ንዓ ሃበኒ ሃባ ኩሉሙሉ
ንዓ ባየ ንዓባ’የ እንታይ ትረብሕ ልበይ ተጸሊሉ
ንዓ ኣጆኻ ሕጂ ግጠሞ
ሕልኮ ፍቕሪ ንጠማጠሞ
ተዘይ ኮይኑ ዑንቒ ባሕሪ
ግድን እዩ’ታ ምጽላለይ
ከም ሓፍትኻ ሕለየለይ
ሕለባ’ታ ሕለየለይ ዘይተርፍ እዩ ምጽላለይ