If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ኣሌክሳንደር ካሕሳይ

ግዜ’ሎ(gzie alo)
ግዜ’ሎ ኣጆኻ ሓቀኛ ፈራዲ
ግዜ በዓል መትከል ሒዙ ዘይሰዳዲ
ብውሕጅ ንብዓተይ የእዳውካ ተሓጽበ
ግዜ ኣሎ ግዜ ፣ግዜ ‘ዚ ዘይከምሰብ

ሕስብ እሞ ኣብሎ ሕሰብ እሞ ሕሰብ
እንታይ እዩ ረብሓኻ ብ ሰቓይ ፈቃር ሰብ
ከምከልቢ ብሰጋ ሰዲዕካ ብገንዘብ
ፈጣሪ ኣሎ ኣብ ላዕሊ ንኩሉ ዝዕዘብ

፠፠፠ ኣጥፊኡ ኣንፈተይ
ዘይብፍቕሪ እዩ ሂበካ ሂዎተይ
ፍቕሪ ጀሚርካ ምስ ኣብዛሕካ ማሕላ
ሕራይ ዝበለት እዛ ልበይ ግርህ ኢላ

ምሩኽ እንተኢልካዮ ኢዱ ዝሃበ
ጅግና ኢየ እናበልካ ግደፍ ኣይትተዓበ
ንኹሉ ዝፈልጥ ውሽጥኻ እንከሎ
ዘይናቱ ሂብካ ግደፍ ኣይተታልሎ

እንታይ ጌሩ ውሽጥኻ ትምንጥሎ ሰላም
ነውሪ እዩ’ታ ነውሪ ኣማኒትካ ምጥላም
ሳላ ግርህነተይ ሳላ እቲ ግርህናይ
ጽቡቕ ኣይስኣኖን እዩ ዓስቢ ናትካ ግናይ

ጋዶ’የ ጋዶ ጋዶ’የ ጋዶ
ጋዶ’የ ጋዶ ጋዶ’የ ጋዶ
ጋዶ’የ ጋዶ ኣማኒትካ ምጥላም ጋዶ
መስጣ ንብዓተይ’ከ ክንደይ ከይትኽእሎ
የቕልሎ ድኣ እምበር የቕልሎ

ቅንዕ ኢልላ ፍቕሪ ክንዲ ትቦ
ስለምንታይ ትብል ጎቦ ጎቦ
ቅንዕ ኢልካ ፍቕሪ ክንዲ ተካፍሎ
እንታይ ገይሩ ልበይ ትብድሎ

ሕደግ’የ ሕደግ ኣይተወራዘ
ታይ ከይከወን እየ ፈጣሪ ሒዘ
ላሉይ ቅንዕናይ ሒዘ
ላሉይ እምነተይ ሒዘ
ላሉይ ኣምላኸይ ሒዘ
ማማየ(Mamaye)
ከምኡ ኣይኮነን ኣደይ ነይሩ ባህጊ ውሽጠይ
ክከወን ከም ዊንታኺ ቕልስ ምስ ነብሰይ
ሂወት ግን ካልእ ኮይና ባህገይ ስኢነዮ
ጻማይ ተሰዊሩ ስኢነ ዝደልዮ

ዘይርድኣኒ’ኮ ኣይኮነን ውሽጥኺ ዝብሎ
ክንደይ’ ከ ዘይፈተነት ነብሰይ ድላይኪ ክትካሎ
ኣይኮነን ግን ኩሉ ርሒቑኒ
እናደለኽዎ ኣደይ ኩሉ ዝባኑ ሂቡኒ

ሓቅኺ ኣበይ’ከ ደቂስኪ ዓይነይ ክትጥመቲ
ከይዕንቀፍ ሸለው ከይብለኪ ኣደ ሓደ ኮይንኪ
እዚ እንደዩ ቓልኪ ከይዕብር ሓደራ ዝብለኒ
ኣብዪኒ አንደሞ ክቐርቦ ዝርሕቕ ጸላሎት ኮይኑኒ

ኣድይ ኣደይ ኣይተሓዝለይ
ኣደይ ኣደይ ይቕረበልለይ
ኣደይ ኣደይ ኣይሓሰብክዎን
ኣደይ ኣደይ ከምዚ ክኸውን

ማማየ ማማየ ኣይተሓዝለይ
ማማየ ማማየ ይቕረበልለይ
ማማየ ማማየ ኣይሓሰብክዎን
ማማየ ማማየ ከምዚ ክኸውን