If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሄለን መለስ

ጽጋበይ(Tsegabey)
ዝእመን እየ ኣሚነ ኪዳን ዘኽብር
ዝባሃግ ኢየ ብሂገ ኣብ ዓይኒ ዝነብር
ሎሚ ድዩ ሓለፈ ኣቢሉ ኣብ ዓይኒ ኣዋልድ ስእሉ ቦቂሉ
ሃብሮም ጽጋበይ ወግሐ ጸብሐ ሽሙ ኣይተልዕሉ

ጽጋበይ ፍሕሽው ገጹ ፍስሃ እና ቀረበ
ጽጋበይ ካብ ልሳኑ ጥዑም ቃል ምስ ኣንጠብጠበ
ጽጋበይ ሰላምትኡ ብማዕረ ሰብ ምስ ኣጽገበ
እቲናተይ የገርምድዩ ልቢ ጎርዞ እንተሰለበ

ዘዋር ኢዩ ኣይትበልዎ ኣይትበልዎ
ማዕቀኑ ቅጽልሃብዎ ሓላ ኣጠምቍዎ
ዘዋር ኢዩ ኣይትበልዎ ግደፍዎ
እሙን እዩ ጽጋብ እመንዎ እመንዎ እመንዎ እመንዎ
ሓንቲ እያ ልቡ እምነትን ፍቅርን ተጎልቢባ
ወዛሕዛሕ ጎርዞ ክሕልቅንጥስጥስ ዘይሰልቦ
ደረቱ ሪመይ ትንፋሱ ናይ ሂወት ቀመመይ
ደረት ናይ ልቡ ጥዋፍ ወሊዑ ኣብ ደመይ
እሙን እዩ ጽጋበይ ጽጋበይ ኣይቀርሮንእዩ ንልበይ ብሓቂ ተሕመዩለይ

ጽጋበይ ምልምል ቁመቱ ሰላቢ ልቢ
ጽጋበይ ፍቱል ደረቱ ጥጡሕ መዕለቢ
ጽጋበይ ክምስ ተበለ በርቅን መልሕን
ጽጋበይ ቃላት ከዛሪ ጨውን ጥምዝሕን

ዘይናቱ ኣይትሃቡለይ ውሕሉል ነባሪ
ንእምነት ኣለዎ ክብሪ
ቁርሲ ቡን ኣይትግበርዎ
መግደፍ ናይገዳም
ፍሉይ ኢዩ ካብ ደቂ ኣዳም

እንድዕሉ ናይ ኩለን እዩ ኣይትበሉ
ኣለዅዎ ኣለዅዎ ኣለዅዎ እንዶ ኣነባዕለይ ይጣበቐሉ (2)