If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ደበሳይ መሓሪ

ሰብ ርሑቕ ቐረባ(seb rhuk kereba)
ሓድጊ ናይ ናጽነት ሰብ ርሑቕ ቐረባ ምድሪ
መዓትን ሽግርን ስዒርኩም ብሓይሊ
ደሃይኩም ሰሚዐ ከመይ ከምዘለኹም
ደቂ ሃደ ልቢ ክልተ ወደባትኩም
በርትዑለይ ልቢ ኣይተንእሱ
ሓደ ኮንኩም ንቕድሚት ገስግሱ

ናብቲ ዝነበርናዮ እዩ ልብና ዝናፍቕ
ኤርትራ ተልዒልካስ ምሒር ትደፋነቕ
ዕላ ተጀሚርና ሕሉፍ ተመኩሮ ትዝታ ይፈጥረልና ዘይንቆጻጸሮ
ዝኽርና ይፍልፍል ልብና ዝዕቆሮ
ሕጂ ይመስለና ኩሉ ንብህጎ

ኢልኩም ዝጸሓፍኩማ ሓንቲ በብሓንቲ
ጠላሕ ከምዘይበለኩም ናይ ጓና ሕብስቲ
ይሓተልኩ አሞ ጋሻ እንተርኤ
ኤርትራ ናፊቅኩም ትትክዙ ሰሚዐ
ኣስመራ እንዳብልኩም ውን ትነብዑ ሰሚዐ

ኣስመራ’የ ኣስመራ አዛ ወይኒ ዘለላ
እዛ ናይ ሰላም ኣርማ ፍቅሪ ዝውሕዘላ
ኣስመራ’የ ኣስመራ ኣስመራ’የ ኣስመራ
መን ዝበል ዘይበልካ ሸናዕ ትሓድረላ

ዎ መተዓቢተይ ዘርሓቅኩም መገዲ
ኩሉኹም መዛኖይ ዝገሽህኩም ንዓዲ
ሕሉፍ ከምትዝክሩ ይጥዓም ይሕሰም ናብራ
ትነብዑ ውን ሰሚዐእንዳብልኩም ኤርትራ

ትነብዑ ውን ሰሚዐእንዳብልኩም ኣስመራ
ኣስመራ’የ ኣስመራ አዛ ወይኒ ዘለላ
እዛ ናይ ሰላም ኣርማ ፍቅሪ ዝውሕዘላ
ኣስመራ’የ ኣስመራ ኣስመራ’የ ኣስመራ
ፍቅሪ ተቛዲስካ ስሕቕ ትውዕለላ