If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ተኽለ ክፍለማሪያም

ዓዲ ሓደራ (adi hadera)
ዓዲ ሓደራ ርስትኻ ኢያ ዜጋ ኤርትራ ርስትኻ
ዓዲ ሓደራ ርስትኻ ኢያ ወዲ ኤርትራ ዓድኻ

ኣዳም ኮይኑ ፍጡር ተወሊዱ
ሓያል ኮይኒ ሰሪቡ ነጒዱ
ድኻ ኮይኑ ሚስኪን ሃጺር ኢዱ
ርኹብ ኮኢኑ ሓሪሱ ነጊዱ
ዋልታ መሬት ይኹን ዋልታ ዓዱ

ሕነ መሬት በትሪ ዘየልዕል
ንወላዲት ሃገሩ ኣለኹ ዘይብል
ኣርሒቀይሉ ህድምኡ ዘይዝክር
ሓወይ ኢሉ መስ ሓዉ ዘይመክር
ሓጋዝ ጽድቂ የብሉን ምስክር

ዓዲ ሓደራ ርስትኻ ኢያ ዜጋ ኤርትራ ርስትኻ
ዓዲ ሓደራ ርስትኻ ኢያ ወዲ ኤርትራ ዓድኻ

ሃገር ማለት ሃገር ዋልታ ገብዒ
ኣብ መንፈስ ትጠብቅ ሓያል ስምዒ
መኹርዒት ዋናኣ ጽላል ጸግዒ
ሃገር ኣይትረስዕ ሃገር ወግዒ
እንሰሳ ‘ኳ ዝሕዝ መጸውዒ

ድሕሬኻ ዘይብሉ ኣይቕድሜኻን
ሱርካ ዘይበቖሎ ኣይጨንፈርካን
ምንጭኻ ዘይብሉ ኣይዛራኻን
ዘርእኻ ዘይብሉ ኣይዓውድኻን
ረሳዕ ዓዱ ወዲ ወላድ መኻን