If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ጀማል ሮሞዳን

መን'ዩ ኣዝማሪኖ(Men yu Asmarino)
ካብ ኣፈይ ዘይፈልያ ኣዚያ ባህ ተብለኒ
ወትሩ ዝደጋግማ ሓንቲ ቓል ኣላትኒ
ንሰባት ሓቲተ ትርጉማ ክነግሩኒ
ኣይዓገበን ልበይ ኣስመራ ንገርኒ
ኣዝማሪኖ ኣዝማሪኖ ኣዝማሪኖ ኣዝማሪኖ
መን እዩ ኣዝማሪኖ

እቲ ለጋስ ን ሓዉ ዘማቕል
ንብጻዩ ጅቡኡ ዝግምጥል
ናይ ሰብ ጸገም ንዑዑ ዝጽግሞ
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ

እቲ ጻዕራም ዝብልዎ ሓኾተ
ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ሂወቱ ዝኸተተ
ኣብ ሃለኽለክ ዕድሚኡ ዘሕረረ
ክሳብ ሎሚ ክዳን ዘይቀየረ
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ

እቲ ኣብ ኬፋት ንለይቲ ዘጽድፋ
ነዛ ጸሓይ ኣብ ድቃስ ዘሕልፋ
ከም ሕልፎት ኣውጊሑ ምሸቱ
ንግሆ ቆሪሱ ዝኣቱ ንቤቱ
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ
እቲ ቀለም ክምእርር ዘሕልፎ
ንእሰነቱ ኣብ ፍልጠት ዘሕለፎ
እቲ ደብተራ ንብሎ ዝነበርና
ጸኒሑ ግን ዝኾነ ሓኪምና
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ
ኣነ ኣለኒ ኣለኒ ኣነ ኣለኒ ሕቶ
መልሲ ዝተሳእኖ
ኣስመራይ ንገረኒ
መን እዮ ኣዝማሪኖ

ክንሕጸ ኢና ክንምርዖ ኣናበለ
እናመሓለ ብዙሓት ዘጥሓለ
ጠባቢሩ ከብዲ ምስ የሕፈሰ
ቃል ዓጺፉ ገጸ ዘይመለሰ
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ

ጸገም ቤቱ ዓይኑ እንዳረኣየ
ሰጊርዎ ዝሃልፍ ከም ዕየት
ደገ ወጺኡ መን ከማይ ዘብሎ
ከም ናብርኡ ነቢሩ ዘይክእሎ
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ

ዝሰምዓ ፍጹም ዘይሕድራ
ወረ ሒዙ ዘናውጻ ኣስመራ
ተባሂሉ ኢሉ ንኽዕልል
ብዘይ ጻማ ከዕልል ዝውዕል
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ

እቲ ጭርቃን ፍጹም ዘይፍለዮ
ብዕላሉ ኩሉ ሰብ ዝደልዮ
ብሕክያ ንሰሙ ዘስመየ
ኣብ ኣስመራ ዝልለ ከም ሰየ
ንሱ ድዩ ነሱ ድዩ ንሱ ደኡ ኣዝማሪኖ
ኣነ ኣለኒ ኣለኒ ኣነ ኣለኒ ሕቶ
መልሲ ዝተሳእኖ
ኣስመራይ ንገረኒ
መን እዮ ኣዝማሪኖ

ንገርኒ ንገርኒ ንገርኒ ንገርኒ
ብጌጋ ከይድምደሞ
ንዓኺ ኣዝማሪኖ ንዓኺ ኣዝማሪኖ
መንዩ’ሞ መንዩ መንዩ’ሞ
መንዩ’ሞ መንዩ መንዩ’ሞ
ኣዝማሪኖ ኣዝማሪኖ ኣዝማሪኖ
መንዩ ኣዝማሪኖ
ካባኺ ሓሊፈ ዝኣምኖ የብለይን
ዛሕቶይ ኣብርህለይ ከም ሰማይ ብጸሓይ

ሓንቲ እያ እታ ሕቶይ ዘይበላ ካልኣይቲ
በጃኺ መልስለይ ኣስመራ ኩሑል ለይቲ