If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሲልቫና መሓሪ

ነዚ ድዩ ኔሩ(Nezi deu neiru)
ነዚ ድዩ ኔሩ እዚ ኹሉ ጸደፍደፍ ክትላለየኒ
ነዚ ድዩ ኔሩ እዚ ኹሉ ህንጥዩነት ነዛ ክትርእየኒ
ነዚ ድዩ ኔሩ ንኽትፍለየኒ
ፍቕሪ ኣጀሚርካ ስቓይ ከተቐጽለኒ

ሕጂ……ድሕሪ ምፍቃረይ ኩሉ ኽዝክሮ ኩሉ ኽዝክሮ ኩሉ ኽዝክሮ
ንምንታይ እዪ ነይሩ ጸደፍደፍ ገሪሙኒ ኣሎ
ክንዲ…..ተረዲአ ልበይ ዝሃብኩኻ ልበይ ዝሃብኩኻ
ጓና ክትርእየኒ ኮይኑ ምርጫኻ ተጋጊኻ

ካብ ክፉእ ንጽቡቕ ኣብዝዓ ነብስኻ
ኣይትፈታትነኒ መሓዛ በቲኻ
ግርህናኻ ምለስ ምልእቲ እየ ንዓኻ
የፍቅረካ ኢየ ኣይትመነየኒ ንጓናኻ

ጥራይ ሕራይ በሊ ባዕለይ ኣለኹዎ
ክፉኡን ጽቡቕን ኩሉ እናጸርክዎ
ከስግረኪ እየ ነዛ ዓለም ዕረ
ኣነ ኣለኹ ዋላ ኣብ ዝመረረ

ነዚ ድዩ ኔሩ ነዚ ድዩ ኔሩ
ነዚ ድዩ ኔሩ ነዚ ድዩ ኔሩ
ሓሚመልኪ ክትብለኒ
ነዚ ድዩ ኔሩ ነዚ ድዩ ኔሩ
ነዚ ድዩ ኔሩ ነዚ ድዩ ኔሩ
እዚ ኹሉ ክትብለኒ

ኣነ የፍቅረካ ኢየ ኣነ ይፈትወካ ኢየ
ቃለይ’ዩ ሓንሳብ ቃለይ’ዩ ሓንሳብ ቃለይ’ዩ ሓንሳብ
ምስ ቀረብኩ ኣይክርሕቀካን ኢየ
ቃለይ’ዩ ሓንሳብ ቃለይ’ዩ ሓንሳብ
ምስ መላእኩ ኣይክጎድለካን ኢየ

ትምኒተዩ ንሰኻ ልቢ ኣነ ኣነ ፍቕሪ
ከይተነጻጸልና ክንሓልፋ እዛ ዕምሪ
ትምኒተዩ ትምኒተዩ
ከይተነጻጸልና ክንሓልፋ እዛ ዕምሪ