If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ቶማስ ኣልኣዛር

ኩሉ ይሓልፍ(kulu yhalef)
ኩሉ ይሓልፍ
ንከይድ ኣለና ንዛዝሞ
ነቲ ሓንሳብ ምንባር ንድምድሞ
ሰብ መዋቲ ምኳኑ ረሲዑ
ሸገርገር ይብለላ ንነብሲ ዘይናቱ

ኦሆ..... ኦሆው..... ኦሆው ኣካ ኣካ ....
ደጊም በቃ ካልእ ትጨነቆ
ሕጉስ ኩን ምንባርካ ሓንሳብ ኢያ’ኮ
ሂወት ክሳብ ሞት ካብ ኮነ ዕማማ
በቃ ሕጉስ ኩን ድሌትካ ኣጥዕማ

ኦሆ ... ኦሆው ... ኦሆው ...
ኣታ ጽሚኢ’ኮ ዘሎ
እቲ በይንኻ ምዃን ኔው በሎ
ሎሚ ይትረፍ በይንኻ ምስ ሰብ’ኮ ኣይትኽእሎ
ዎ ..... ኾኾ .....
ሎሚ ረአን ተረአን
ልዕሊ ምድሪ ከለኻ
ዎ ..... ኾኾ .....
ኣይትሰምዓሉ ኣይትሪኤሉ
ጽባሕ ትሕቲ ምድሪ ኢኻ
ዎ ..... ኾኾ .....

ሓጎስ .....
ምላኣት ሂወት
ሽግር .....
ክስዕራ ኣይትጸልምት
በቃ .....
ተሓጎ..... ስ .....

ኩሉ ይሓልፍ ...
ጥዑም ይኹን ምረት
ዘይሕጎሰላ’ሞ ሩሐይ ከይገሸ
እንታይ ዘይፈተንኩ
ሓጎስ ክረኽባ
ለካ ሓጎሰይ ባዕለይ’የ ዝፈጥራ .....
ኦሆ ... ኦሆው ... ኦሆው ...
ሰብ ከሲበ(sebkesibe)
ጣዕሚ ናብራ ካብ መናብርቲ’ዩ
መቐረት ሂወት ሰብ ምስ ትኸስብ’ዩ
ኖሆ ድማ እዛ ከም ድላየይ
ዓለም ጎደሎ መሊኣ ናዓየ
ደጊም የለን ዝስእኖ
የለን ኩሉ ናብኣ’ሎ

ይሰምዖ’ዩ ኩሉ ዝተዘርበ
ክንድ’ዚ ጽባቐ ክንድ’ዚ ድራበ
ኩሉ ዘዘርከበ ይብለኒ እንታይ ተረኽበ (2)
ይትረፍ ሰብ ዝኸሰበ የዕሪፉ’ኮ ዝሓድር ክሃድም ዝቐረበ
ይትረፍ ሰብ ዝኸሰበ ኣብ ኰናት ዝተዓወተ’ኮ ዝሃጥር ሰብ እናከሰረ
ካልእ ምስጢር የብለይን
ኣነ ሰብ’የ ከሲበ . . . ኣነ ሰብ’የ ከሲበ
መኽሰብ ሰብ ይርዶኦ’ዩ
ሰብ ዝኸሰበ ሰብ ዝኸሰበ

ሰብ ከሲበ . . . . . . .
ሰብ. . . . ሰብ. . .
ሰብ’የ ከሲበ. . .
ሰብ ብሰባ ሰሰናዩ ኩሉ ዝርከባ
ሰብ ብሰባ ኩሉ ሙላ መኽሰብ ሰብ መኽሰባ
ፈጣሪ እንተፈትዩ ጥራይ ክረኽባ (2)
ጥዑም ከይተባህለ(teum keytebahle)
ጥዑም ጥዑም ከይተባህለ ይሓልፍ’ሞ
ምስ ተሳእነ ትዝክሮ
ጓል’ውን ካብ ምሳኻ
ምስ ኣርሓቐት ትናፍቓ መሊስካ
ሓቂ’ዩ እንበኣር ኣብ ኢድካ ዘሎ ኣይትርእዮን ዝበሃል

ሎሚ እየ ኣስተብሂለሉ ምስ ተፈለኽኒ
ይድንድነኪ ምንባረይ ኣመና ብምልምላምኪ
ኣይትቀየምለይ ጽልኢ ኣይትትከሊ ምሳይ
የሕዋት ኮይንና ነሕልፎ ኣንቲ ጎይታ ጠባይ

ንህቢ ብዘይ ቆፎ’ዩ ኮይኑ ዘሎ ናብራይ
ማዓስ እሞ ኣቕሊበሉ ኣነ ሰኣን ልበይ
ከይተረዳኣኒ ከሲረኪ ባዕለይ
ኣይትርባሕ ኢሉኒ እምበር ካባኺ’ዶ ይፈለ

ለዋህ እንዲኺ ዳኣ
ኣኽናፍ ኣልቦ ጻዕዳ ርግቢት ምድሪ
ዓቃል እንዲኺ ዳኣ
ትዕግስትኺ እንዶሞ ጸንቂቐዮ
ቦቕባቕ እንዲኺ ዳኣ
ብሰንከይ ግን ከብድኺ እምኒ የእቲኽሉ
ሃዳግ እንዲኺ ዳኣ
በዚሕኪ ይትረፈኒ ኢልኪ ኩሉ . . . ዋይ
ወሲንኪ. . . ወሲንኪ. . . ውሳኔኺ’ኮ እንተዘይ ሓሰብኵኦ
ለካ በዳሊ መዓልቲ ኣለዎ