If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ልዋም ተኽሊት

ምልኣት ልበይ(mlat lbey)
በሪቅካ ትሓድር ከም ጊላ ወጋሕታ ስዩማዮ
ዓድን ጎደቦን ዘበልካዮ ማየ
ኣጽሊልካኒ እንዲኻ ልክዕ ከም ደበና
መልኣኽ ተመሲልካ ሂብካያ ማና
መልኣኽ ተመሲልካ መንጢካለይ ማና

ስምካ እንክጽዋዕ ኣብ ማእከል ዓዲ
ጸጥታ ይሰፍን ከም ቃል ኣዋዲ
መዓር ምስ ጠስሚ ሺሻይ፡
ተሓቢነ ኣለኹ ኣብ ማሙቕሕቕፎኻ

ዓንደሮባይ ኣጉባዝ ኣኽታቲ
ናትካ መዃነይ ወለላይ ኣዝየ ሕጉስቲ
መልኣኸይ ኢኻ ፈጣሪ ፍቕሪ
ብዘይብኣኻስ ኣይስጉምን ስድሪ

ኣቤት ክምቅር ምሳኻ ናብራ
ፍቕሪ እናተመገበት ነብሰይ ሃጢራ
ሕልፊ ኩሎ ደቂ እዛ ምድሪ
ዝፋን ልበይ ወሪስካ ሂብካኒ ኽብሪ

ዘይተመናዊ ምሳኻ ዘሎ
ዕድል ተኾይኑ ክውንኖ
ጎብለለይ ወዲ ፍቕሪ በይነይ
ብርሃነይ ኢኻ ብሌን ዓይነይ

ፍቕረይ ሓላለይ
ናተይ መለይ ስኒ ኣጅቦ ሓለፋ ኣንዲኻ መዘና ኣልቦ
ናተይ ስኒ ኣጅቦ ሓለፋ ኩሎም መዘና ኣልቦ

መቐረተይ ኢኻ ምልኣት በይነይ
ንዘንቲ እለት መባልይተይ
ተሰራሲረ ከም ብሃድሽ እባ ዕድመይ ቆጺረ
ሓመልማሎ ኣብ ሕቅፎኻ ጥዒሙኒ ኣሎ

ትምኒተይ ሰሚሩለይ ረኺበ ከምዛ ልበይ
ፍቕረይ ጽጋበይ ተደሲተ ጎብለለይ
እቲ ዝሓልሞ ኣግሂድካለይ
ብጽሒትካ ናትካ ኮይነ
ኣንጊስካኒ ተሓቢነ
ናተይ መለይ ስኒ ኣጅቦ ሓለፋ ኣንዲኻ መዘና ኣልቦ