If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ኣማኑኤል(ሞሞና)

ተለመኒ(Telemeni)
ተለመኒ ተለመኒ ፍቅረይ ኣይትቕብጺ
ዓቅሊ ስኢነ እነኩ ኮይነ ምሒር ተረባጺ
ድቃስ ካባኺ እዩ ልዋም ሂወት ሓሲሙኒ
ኣይጠዓመን ህሞት(2)

ጥዑይ ድምጺ ሰሚዐ ሕሹኽታ
ምሉእ ልበይረኪቡ እፎይታ
ሰናይ መልሲ ሂብኪኒ ዘኖ
ዛንታና ደኣ ሃነኖ
መኒኽኒ ዲኪ እንታይ እዩ
ጉዱ ለኡም ጐዕዞይ ኽጥዓጽዊ መንገዱ
ከቀባጥር ድሕሬኪ ክስጉም ኮለል ብዘይ ዓስቢ
ፍቅሪ ሕሱም ልብኺ ርሒቁ ዘይሓልፈለይ
ናበይ ምጋሽ ዓጺኪ ዕድለይ(3)

ዝቐራርብ ስኢነ ዓራቒ
ቃንዛ ኮይኑ ናይ ሂወተይ ስንቂ
መቐነጥት ድዩ ንዓኺ ስቅያተይ
ከም ሙዚቃ ቆጺርኪ ኣውያተይ
ግደፊ ግን መስጣ ኣለዎ ንብዓተይ
ተመለሲ ኣድሕኒ ካብ ኣፍ ሞት

ተለመኒ ተለመኒ ፍቅረይ ኣይትቅብጺ
ኣቅሊ ስኢነ እነኩ ኮይነ ምሒር ተረባጺ
ድቃስ ካባኪ እዩ ልዋም ሂወት ሓሲሙኒ
ኣይጠዓመን ህሞት(2)
ክመላለስ ኣብ እዝነይ ክድውል
ህያው ምሰልኪ ኣብ ዓይነይ ክቕጀል
ኣብ ድቃሰይ ብሕልሚ ብጋህዲ
ብጀካ ጭንቀት ኣይኮነን ኣባዲ
ተሸሚመ ኣብዓዘቕቲ ቃንዛ
ተሃሊኸን ኣእጋረይ ከም ዋዛ
ሕዩር ኮኢነ ብፍቕሪ ተረቲዐ
ማይ ሓዲገ ደም ነቢዐ

ውሽጠይ ሓጺር ዘይነጸፍ ሃረርታ
ኣናግፍኒ ኣይክእሎን እየ ከውታ
ይጠራጠር ጸላለ ድዩ ፍቕሪ
ምቕሳን ኣብየ ንብዓተይ ክዛሪ
ሕሱም ናብራ ሰንፈላል’ዩ ሕማቕ
ኣነ ዘለኽዋ ጸልማት መዓት
ተለመኒ ኣብ ኢድኪ ትንፋሰይ
ዘልመድክኒ ሃቢ ንሱ’ዩ ፈውሰይ