If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ኣብራሃም ኣፈወርቂ

ተዓዲለ()
ናይ ጸገመይ ራህዋ መላኣኸይ’የ
ናይ ምስጢረይ ቖፎ ኣካለይ”የ
ኣንቲ ሉል ሂወተይ ዙሃረ’የ
ሸናዕ መባህልተይ ብጸይተየ


ውዕለትኪ ከቢድ ‘ዩ ሚዛን ዘይርከቦ
ወትሩ ኣመስጊነ ወዲሰ ዘይጸግቦ
ክበርለይ ሓንቅቅለይ’የ ኣለኹልኪ ኣነ ባዕለየ
ሕስብ ተበልክዎ ናይ ፈጣሪ ነገር
ኩሉ ኣይከልኣካን እዩ ዓቕሊ ጥራሕ እምበር


ክብሉ ይሰሞዕ ነይረ ጥዑም ክበጽሓኒ ትመንየዮ
ላካ ዓጋቲ የልን ዕድለይ ምስ ሃበኒ ርእየዮ


ከማይ ዘይረከቡ ፍቕሪ ዘይሰለጦም
ዓንጋሊት ራራይት ከማኺ እፍጠረሎም
ከማኺ ዝረኸበ እንታይ ከይጎድሎ
ዝመጸ እንተመጸ ንሂወት ይኽእሎ


ንስኺ ሓላለ ሓላለ ሓላለ ሓላለይ ንስኺ ፈቃር
ኣነስ ተዓዲለ ንግስቲ ኢኺ ዕድለይ

በብዘለናዮ()
ዝርው እብል ውሽጠይ ክሓስበኪ ሓዲረስ ውዒለ
ፍርሕ ፍርሕ እብል እንድዕለይ ስቕ ኢለ
ኣይድቓስ ኣይመግቢ ምጋገኽኒ ጸማልያ መሲለ
ኣብ ድሙቕ ጸወታ ዝን እንዳበልኩ ካብ ሰበይ እፍለ
ራሓ ናተይ በብዘለናዮ ሓቦ ጌርና ንውጽኣዮ
ፍቕረይ ናተይ ኣብ ልብኺ ሓዝዮ እቲ ዝተባሃልናዮ
ኣጆኺ ብዘየገድስ ንጽመሞ ግዜ እንተነውሐ
በዘየገደስ ሻቕሎትን ናፍቖትን እንተበዝሐ
ክንደይ ክምቕር’ዩ ጻማ ሓቦ እዋኑ ምስ በጽሐ
እረኣየኒ ኣየ’ወ ጽባሕ ምስሓለፈ ኩሉ
እረኣየኒ ክዝከሮ ከነዋግዓልሉ
ሓቦ ግበሪ ጽባሕ ማለት ቐረባ ኣንዳኣሉ
ምደለኹ ክህሉ ኣብቲ ዘለኽዮ ቦታ
ከሕንቅቐኪ ሓቍፈ ካኣባብደኪ ምእንታን
ምደለኹ ኣየ’ወ ሕጂ ክንደይ ምደለኹ
ከሕንቅቐኪ ካኣባብደኪ ምደለኹ
ደብዳቤኺ ‘ኳ ደሃይኪ ሰኒቑ እንተመጸ
ዘይሕተት ኮይኑኒ ተነቢቡ ስርሑ እናወድአ
እትረፍ ብማዕዶ ቀሪበ’ኳ ዝሻቐል ብኣኺ
ምደለኹ ክትመጺ ኣብዚ ዘለኽዎ ቦታ
ከሕንቅቐኪ ሓቍፈ ካኣባብደኪ ምእንታን
ምደለኹ ኣየ’ወ ሕጂ ክንደይ ምደለኹ
ከሕንቅቐኪ ካኣባብደኪ ምደለኹ
ተሓምበለ(Tehambele)
ንሓዋሩ ከይንውጻዕ ከይንኾን መፍቶ ጓና
ዕቤት ክንጓናጸፍ ዓቅሚ ክህልወና
ብስውር ሰንሰለት ፍቅሪ ተራኸቡ ኢላ ኣዴና
ብደም ብሉጻት ደቃ ቃል እተውለይ ኢላትና
ሓላል ቤት ደቂ ጽንዓት ብርሃን ክንኩልዓላ
ውሑዳት ግን ብርኩታት ከክንዲ ሽሕ ክንኮነላ
ኣብ ዝኸድናዮ ክንሰምር ምሒልና ጥሒልናላ
ኣብ ነንገብሮ ክንዓስል ኢና ተማባጺዕናላ

ኣሕዋተይ ደቂ ጽንዓት ከም ወርቂ ካብ ጨርቂ ካብ ሓዊ ዝተፈልየ
ኣብዘዘለናዮ ንዓቢ ‘ዶ ኣለና ሓድሕድ ንሳለ?
ኣብ እንገብሮ ሞያ ንዓስል’ዶ ኣለና ንታሓላለ?

ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ከይትባኽን ዘዝበርሀት ሽምዓ ከይትቅህም
ዘዝቦቐለት ዘርኢ ከይትቕምርር ዘዝነቐለት ክእለት ከይትዳኸም

ንላዘብ’ዶ ኣለና ንመካከር ንሰምር’ዶ ኣለና ንተሓናገር
ኣተሓሳስባና እንተሃብቲሙ ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ

ድኽነት’ሲ ይብዳህ ‘ዩ ኣተሓሳስባ ‘ዩ እቲ ፈልሲ
ፍቕሪ እንድኡ ሕመረቱ መሪር ናይ ምንባር ቃልሲ
ኣየ’ወ ነዚ ጽባሕ ሓመድ ዝበልዖ ነብሲ

ኢድ ንኢድ ጠሚርና ንዝለል ን ሂወት ክንገብራ ድምቕቲ ተሓምበለ
ኢድ ንኢድ ዓቲርና ንዕሰል ዓቅምና ኣብ ዓውድና ክውሕዝ ተሓምበለ
ተሓምበለ ንበል ደቒ ጽንዓት ተሓምበለ ንበል ደቂ ኤረይ
ተሓምበለ ዕሰሉ ዕሰሉ ተሓምበለ ተሓምበለ በሉ

ዕሰሉ ደቒ ጽንዓት ኣይትሳኣኑ ኣይትሰኣኑ
ተሓምበለ ኣይከውንን እዩ ንስኹም ዘይበሉ
ሂወት ኣይምቅርን’ዩ ዕስልኹም ዘይበሉ
ፍቕሪ ከም ጸሓይ’ዩ(fkri kem xehay'u)
ኣሎ ኢልኪ ኣይተዕልሊ ኣቤሎ እቲ ፍቅሪ
የለን ከም ቀደሙ የሕጺሩዩ እግሪ
ክሳብ ዘይሰመረ ህርመት ማንታ ልብታትና
ንመን ኣሚኑሞ ፍቅሪ ክህሉ ምሳና
ኣታ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ምባል ከይመጽእ
ኣማስያኡ ፍቅርና ከምዛራ ከም ሑጻ ተሰትዩ ከይተርፍ
ከም ትማል ከም እንተዝህሉ ባዕሉ ምመስከረ
ቀልዓለም የብሉን ፍቅሪ ኣለኹ ምበለ
ኣነን እንዳርባሕኩ ንስኪ ተጉድሊ
ናብራና ምስ ኮኖ ካብ ክሳድ ንላዕሊ
ጉህዩ ፍቅሪ ግህዩ ከመይ ዘይጉሂ እዚ እዩ ጻምኡ
መብጽዓ ከቢድዩ ኪዳንኪ ጸኒዑ
ኣበይሞ ይኽእል ንፍቅሪ ተኪኡ
እምበር ናዓይ ምሕላይ ነዊሕሪ ካብ ትገድፍዮ
ንደቂቅ ኣበራተይ ክንዲ እምባ ተግዝፍዮ
ክንዲ ሸለል ምባል ቂምታ ትቅርቅሪ
ክንዲ ይቅሬታወ ህልኻት ተንቅሊ
ሃጓፍናባ ነጽብብ መሊሱ ከይዓቢ
ካብ ዓይኒ ገሊሉስ ከይስዕርር ኣብ ልቢ
ፍቅሪ ከም ጸሓይ’ዩ ልቢ ተነጺሁ
ዕራርቦ እንተኸደ ወጋሕታ ይምለስ’ዩ
ከምዛ ዘለናያ እንተኾይኑ ግና
ፍቅሪ ይስወር’ዩ ከም ደቀ ሕደርትና
ዝጠመየት ከርሲ እኽሊ ከም ትደሊ
ፍቅርና ድማኒ ስኒትናዩ ዝደሊ