If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ኤርሚያስ ክፍለዝጊ

ጥምብል (Timbil)
ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ
ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ

ብመዓር ድኣ ዓብያ እዛ ልብኪ
ንሰብ ከትብያ ኣብያትኪ
ኣረ ናትኽስ እደለ ምኮነ
ምስ ዓርኪ ሲኢነ ዝፈተነ
ጥምብል ኮንኪ ጥምብል ዘይትዳነ

ኣርሓ ኢኪ ጽሓይ ቀትሪ
ወዳእክና ኣጉባዝ ብፍቅሪ
ኽልተ ሓምሓም ዘርኢ ሰናይ ዘመን
ውሰዳኒ የዕንተ ይ ዘኒብን
ኣየ ስቅታ ወዳጀ ረባረብ
ቐያሕ ብረታ ሰቒልኪ ኣብ ገረብ
ርኺብ ክና ልብኪ ትረከብ


ጥምብለየ ጥምብልብል ኣመና
ኣምበርክያ ልብኪ ኣብ ሱርጓና
ታይ ትምስሒ ታይ ዲዩ ድራርኪ
ንገር ፍቅሪ ጥራሽ ዘይ ሱቆራ
እንታይ ‘ዩ ጉዳ ልብኪ እንታይ ጉዳ
ልቢ ጎበዝ ኣሽሓት የዕቢዳ

ሰብ ዘይኮነን ጽባቐኪ ጥምብል
ማይ መሊኣኡ ኣሎ ኣፍ ጠማቲኺ
ጥምብል ንሓደ ከሎ ቁንጅናኪ
ኣዳም በዚሑ ዝሃርፈኪ
ዘለላየ ወለላየ ይብል ኣሎ’ቲ ልበይ
ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ
ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ ጥምብለይ

ኣጉባዝ ዓዲ እንታይ ወሪዱና
ቤትኪ ከይድና ምዓላና
ነዛ ሓንሳብ ኣቲኺ ክትወጺ
ልቢ ጎበዝ ሰሪሕኪዮ ፈልጺ
ጥምብለየ ክንደይ ትብለጺ

ኣቢታወ ኣቢትወ ክትከልዮ
ደላዪ ፍቅሪ ሰሪዕኪዮ


ስቅ እወ ስቅ እወ
ስቅ እወ ስቅ እወ

ስቕ ኣቢላ ዝቕሎ ምስ በዝሕ
ደም ልቢ ብፍቅሪ ምስ ጎርሐ
ታይ ክኮነኪ ኢሉ ኢቲ ጽቡቅ
ኽዳንኪ ኣናጽፍሉ ትመረቐ

ካልእ ኸኒ ኣቲ ዝተረፍና
ጥምብለየ ጥምብልብል ኣመና
ታይ ገበረ እታ ወዲ ኣዳም
መፍቶ ቑሪ ዝሓድር ኣብ ግዳም
ጥምብለየ ጥምብልብል ኣመና
ኣንቢርክዮ ልብኺ ኣብ ሹርጓና