If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሩፍታሌም ኣብረሃም

ስልብትኻ(SlbtKa)
ልበይ ዝሰለብካ ብዓል ጋሕሲ ጎበዝ
ስምዓኒ’ ሞ ስማዕ እነኹ ይናዘዝ
ኣንታ ቐትርን ለይትን ትሕሰብ ትሕለም
መዓልቦ መዓልቦ ልበይ
ናተይ ምሉእ ዓለም

ትማል ኣብ በረኻ
ትማል ኣወ ትማል
ተራኺብና ሃንደበት ብወዝቢ
ክምስታኻ ርእየስ ንልቢ ሰላቢ

ምስ በልኩኻ ሰላ ክሳደይ ጓዕጺጸ
ሕንጎለይ ወኒኑ ወኒኑ ምዕያይ ምስ ኣቕበጸ
ደጊፍካኒ ደጊፍካኒ ምኽኽ ኢለስ ህልም

ደሃየይ ወን ህጥም ኣብ ካላ ዓለም
ጥሕል ሽርብ ስጥም
ፍዝዝ ቅዝዝ ፍዝዝ ቅዝዝ
ንቕጽ ድርቕ
ቅይር ናብ ሓወልቲ ንዘይ ረክብ መልሲ
ብዘይ ተማጓቲ ድሓን ዲኺ ኢልካኒ
መዓስ መሊሰልካ
ድሓን ዲኺ ኢልካኒ ጥራይ ጠሚተካ
ድሓን ዲኺ ድሓን ዲኺ

ልብኻ ሞሊቓ ስልምትኻ ኣውላእሊአ
ኣኽፊአ ኣዋድቓ
ኢድካ ምስ ኣንበርካ ኢድካ ምስ ኣንበርካ
ልበይ ክትድግፋ ደመይ ምስ ረኸበ ደመይ ምስ ረኸበ
ናይ ምህላው ተስፋ

ኣኽናፉ ወዝዊዙ ድምጺ ናይ ገዛና
ድምጹ ምስ ዓሰለ ኣብ መላእ ህድሞና
ነብሰይ ረኺበያ ነብሰይ ረኺብያ ኣብታ መደብ ንእደይ
ለካስ ሕልሚ እዩ ኔሩ ለካስ ሕልሚ እዩ ኔሩ
እውይ እቲ ጉደይ
እቲ ቀትሪ ዝሓስቦ ኣቲ ቀትሪ ዝብሎ
ምሳኻ መውስቦ
እቲ ለይቲ ዝብሎ
ኮይንካ ናተይ ውዕሎ

የቋምት እየ ዘለኹ ክቕየር ናብ ጋህዲ
ኣጆኺ በለኒ የብቅዕ ሕልሚ ንእዲ

የብቅዕ ኣወ ሕጂ ሕልሚ ሃተፍተፈይ
ብኣካል ተረከብ ናተይ ብ ኣካል ተረከብ
ኣብ ንእዲ መንጸፈይ

ስልብትኻ(SLEBTkA)

ልበይ ዝሰለብካ ብዓል ጋሕሲ ጎበዝ
ስምዓኒ’ ሞ ስማዕ እነኹ ይናዘዝ
ኣንታ ቐትርን ለይትን ትሕሰብ ትሕለም
መዓልቦ መዓልቦ ልበይ
ናተይ ምሉእ ዓለም

ትማል ኣብ በረኻ
ትማል ኣወ ትማል
ተራኺብና ሃንደበት ብወዝቢ
ክምስታኻ ርእየስ ንልቢ ሰላቢ

ምስ በልኩኻ ሰላ ክሳደይ ጓዕጺጸ
ሕንጎለይ ወኒኑ ወኒኑ ምዕያይ ምስ ኣቕበጸ
ደጊፍካኒ ደጊፍካኒ ምኽኽ ኢለስ ህልም

ደሃየይ ወን ህጥም ኣብ ካላ ዓለም
ጥሕል ሽርብ ስጥም
ፍዝዝ ቅዝዝ ፍዝዝ ቅዝዝ
ንቕጽ ድርቕ
ቅይር ናብ ሓወልቲ ንዘይ ረክብ መልሲ
ብዘይ ተማጓቲ ድሓን ዲኺ ኢልካኒ
መዓስ መሊሰልካ
ድሓን ዲኺ ኢልካኒ ጥራይ ጠሚተካ
ድሓን ዲኺ ድሓን ዲኺ

ልብኻ ሞሊቓ ስልምትኻ ኣውላእሊአ
ኣኽፊአ ኣዋድቓ
ኢድካ ምስ ኣንበርካ ኢድካ ምስ ኣንበርካ
ልበይ ክትድግፋ ደመይ ምስ ረኸበ ደመይ ምስ ረኸበ
ናይ ምህላው ተስፋ

ኣኽናፉ ወዝዊዙ ድምጺ ናይ ገዛና
ድምጹ ምስ ዓሰለ ኣብ መላእ ህድሞና
ነብሰይ ረኺበያ ነብሰይ ረኺብያ ኣብታ መደብ ንእደይ
ለካስ ሕልሚ እዩ ኔሩ ለካስ ሕልሚ እዩ ኔሩ
እውይ እቲ ጉደይ
እቲ ቀትሪ ዝሓስቦ ኣቲ ቀትሪ ዝብሎ
ምሳኻ መውስቦ
እቲ ለይቲ ዝብሎ
ኮይንካ ናተይ ውዕሎ

የቋምት እየ ዘለኹ ክቕየር ናብ ጋህዲ
ኣጆኺ በለኒ የብቅዕ ሕልሚ ንእዲ

የብቅዕ ኣወ ሕጂ ሕልሚ ሃተፍተፈይ
ብኣካል ተረከብ ናተይ ብ ኣካል ተረከብ
ኣብ ንእዲ መንጸፈይ