If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ተስፋኣለም ኣረፋይነ

ካብክለቴኹም(kabkltiekum)
ካብ ክልቴኩም መን እዩ መን መን ‘ዩ መን
በዳልየይ መንኩም እዩ መን
ንብዓት የዒንተይ ዘፍሰሰ (ዘርገፈ)
ንልበይ ጥራዩ ዘትረፈ
ባህገይ ዝኾፈለ
ንስኺ ዲኺ ንሱ


ልብኺ እንድያ ደንዲና
ምስ ረብሓ ወጊና
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ
ባጤራ እንድያ ተመንያ
ክውንነኪ ተንስአ
ፍቕርን ረብሓን ኣጋጢሙ
ኣነ ኣብ ሞንጎ ተጎዲኤ


ጥልመት ክሕደት ጥልመት ክሕደት
እዚ ካብ ዘሎ ኣብዛ ምድሪ
ብዙሕ ሳጓ’ዃ ኮይኑ ንፍቕሪ
መምስ ተጠለምኩ ከፍቕረሉ
ልበይ ሳጓ’ኻ ብዙሕ ኮይኑ


እንዳተመነኹ ዘልኣለም ምሳኪ ከሳሊ ፍቕሪ
ናቱ ግዲ ኾይንኪ ነርኽስ ኣራኺብኩም ፈጣሪ
እወ ንገሪ ቕንኑዕ ምኳነይ መስክሪ
ኣብ ጉዳዩ እቲ ፍቅሪ
ከም ማይ ንግሆ ጽሩይ ምኳነይ ይፈለጠለይ


በዲልዋ ግዲ ኮይኑ ሂወት ቀይራ ከይበሉ
ንጹሕ ምዃነይ ንገሪ ንፈለጥተይ ብኹሉ
ኣብ ጉዳይ እቲ ፍቕሪ
ከም ማይ ንግሆ ንጹሕ ምኳነይ ይፈለጠለይ


ንስኺ በሊ ረስዕዮ ናይ ትማሊ
ኣትኪልኪ በሊ ደምስስዮ ናይ ትማሊ
ፈትየን ከይፈተኹ ይብለኺ ኣለኩ ቀጽሊ

ኣይትተዓንቀፊ መንገድኪ ይኩን ሰገነት
ኣይትስኣንኒ ዓለም ይኹንኪ ገነት
ግን ክናፍቆየ ሕሉፍ ሂወትና ብኡነት
ክዝክሮ'የ ሕሉፍ ሂወትና ብኡነት

ኣነሞ በይነይ በይነይ በይነይ
ንበይነይ በይነይ በይነይ በይነይ
ፈትየ እንድየ ሓንሳብ ሕጂ ደሞ ጸሊኤኪ
ኣፍቂረ እንድየ ሓንሳብ ሕጂ ደሞ ጸሊኤኪ
ኣቲ ፍትውተይ በሊ ጻዕዳ ይጽናሕኪ(2)
ሃናየ(hanaye)
ሕተትኒ በሊ በሊ በሊ እቲ ትደልዮ
ኣቲ በሊ በሊ በሊ በሊ እቲ ትብህግዮ
ንዓኺ ምርካብ ሓለፋ ኣለዎ ዚያዳይ
ንሰኺ ማለት ናይ ምንባረይ ዕግበት

ኣደ ኾንኪ ኣሊኽኒ ሕሰም ናይ ንብዓተይ ደሪዝክዮ
ኣደራዕ ናብራ ተጻዊርኪ ንልበይ ተስፋ ኣስኒቕክዮ
ሩፍታ ኣንግስ ሰላም ኣንግስ ሕሰም ኣልግስ እፎይ ኢለ ኽድቕስ
ምስ መን ከምይ ከመሳስሎ ኩልንትናኺ
መምሀር ሂወት ሓበን ኢለ’ ዶ ኩሉ ገዲፈ ኣኽሊል ክደፍኣልኪ

እቲ ተምኒተይ ረኺበዮ
ሳላኺ ኩሉ በጺሐዮ
ሩፍታ በይነይ ቀንዴል ቤትና
ተቐበልኒ መስጋና ምስጋና

ሕተተኒ በሊ በሊ በሊ እቲ ትደልዮ
ኣቲ በሊ በሊ በሊ በሊ እቲ ትብህግዮ
ንዓኺ ምርካብ ሓለፋ ኣለዎ ዚያዳይ
ንሰኺ ማለት ናይ ምንባረይ ዕግበት

ገላሊህክዮ እህህታይ ልበይ ፍቕሪ ተደሪሩ
ከም ነብሰኻ ሰብ ክትረክብ ጸጋ እንድዩ’ታ ንሓዋሩ
ሩፍታ ኣንግስ ሰላም ኣንግስ ሕሰ ኣልግስ እፎይ ኢለ ኽድቕስ
ምውቕ ናብራ ከስተማቕር ተዓዲለ
ንስሙር ጉዕዞ መሪሕ ኮንክኒ ዕዳይ ቀሊሉ ጾረይ ኣቃሊለ


እቲ ትምኒተይ ረኺበዮ
ሳላኺ ኩሉ በጺሐዮ
ሩፍታ በይነይ ቀንዴል ቤትና
ተቐበልኒ ምስጋና ምስጋና

ጸሎተይ ሰሚሩ ሓሳባት ልበይ
ጎይታ ኣምሪሑኒ ኣባኺ ኢሉ ሰበይ
ምልኣት ህያብ ሓለፋ ኩለን
ዝውዲ ደፊእኪ ኣቲ ናይ ፍቕረይ ሓበን
ኣቲ ናይ ፍቕረይ ሓበን

ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ኩሉ ኮንክኒ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ፍቕሪ ኣርኢኽኒ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ሓቛቑፍኒ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ተጠምጠመኒ

ጽምዋ የለን በሪሩ ካባይ
ሓበን ሳላኺ ረኺበ ጻማይ
ደስታ ዓሲሉኒ ተመስገን ኢለ
ሕሰመይ በልዩስ ኣባኺ ኣጸሊለ …,ኣባኺ ኣጸሊለ,

ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ዓለም ናይ በይነይ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ንሰኺ መርዓት ዓይነይ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ዘይንሰኺ መን ኣላ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ማዕረ ምቓል ጎነይ



ሕተትኒ(hteteni)
ሕተትኒ በሊ በሊ በሊ እቲ ትደልዮ
ኣቲ በሊ በሊ በሊ በሊ እቲ ትብህግዮ
ንዓኺ ምርካብ ሓለፋ ኣለዎ ዚያዳይ
ንሰኺ ማለት ናይ ምንባረይ ዕግበት

ኣደ ኾንኪ ኣሊኽኒ ሕሰም ናይ ንብዓተይ ደሪዝክዮ
ኣደራዕ ናብራ ተጻዊርኪ ንልበይ ተስፋ ኣስኒቕክዮ
ሩፍታ ኣንግስ ሰላም ኣንግስ ሕሰም ኣልግስ እፎይ ኢለ ኽድቕስ
ምስ መን ከምይ ከመሳስሎ ኩልንትናኺ
መምሀር ሂወት ሓበን ኢለ’ ዶ ኩሉ ገዲፈ ኣኽሊል ክደፍኣልኪ

እቲ ተምኒተይ ረኺበዮ
ሳላኺ ኩሉ በጺሐዮ
ሩፍታ በይነይ ቀንዴል ቤትና
ተቐበልኒ መስጋና ምስጋና

ሕተተኒ በሊ በሊ በሊ እቲ ትደልዮ
ኣቲ በሊ በሊ በሊ በሊ እቲ ትብህግዮ
ንዓኺ ምርካብ ሓለፋ ኣለዎ ዚያዳይ
ንሰኺ ማለት ናይ ምንባረይ ዕግበት

ገላሊህክዮ እህህታይ ልበይ ፍቕሪ ተደሪሩ
ከም ነብሰኻ ሰብ ክትረክብ ጸጋ እንድዩ’ታ ንሓዋሩ
ሩፍታ ኣንግስ ሰላም ኣንግስ ሕሰ ኣልግስ እፎይ ኢለ ኽድቕስ
ምውቕ ናብራ ከስተማቕር ተዓዲለ
ንስሙር ጉዕዞ መሪሕ ኮንክኒ ዕዳይ ቀሊሉ ጾረይ ኣቃሊለ


እቲ ትምኒተይ ረኺበዮ
ሳላኺ ኩሉ በጺሐዮ
ሩፍታ በይነይ ቀንዴል ቤትና
ተቐበልኒ ምስጋና ምስጋና

ጸሎተይ ሰሚሩ ሓሳባት ልበይ
ጎይታ ኣምሪሑኒ ኣባኺ ኢሉ ሰበይ
ምልኣት ህያብ ሓለፋ ኩለን
ዝውዲ ደፊእኪ ኣቲ ናይ ፍቕረይ ሓበን
ኣቲ ናይ ፍቕረይ ሓበን

ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ኩሉ ኮንክኒ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ፍቕሪ ኣርኢኽኒ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ሓቛቑፍኒ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ተጠምጠመኒ

ጽምዋ የለን በሪሩ ካባይ
ሓበን ሳላኺ ረኺበ ጻማይ
ደስታ ዓሲሉኒ ተመስገን ኢለ
ሕሰመይ በልዩስ ኣባኺ ኣጸሊለ …,ኣባኺ ኣጸሊለ,

ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ዓለም ናይ በይነይ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ንሰኺ መርዓት ዓይነይ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ዘይንሰኺ መን ኣላ
ሽኮር ኢኺ ሽኮረይ ማዕረ ምቓል ጎነይ
ንኣመሎም(neamelom)

ኣይውዳእንዩ ዓቅለይ ኣይውዳእንዩ
ኣይውዳእንዩ ዓቅለይ ኣይነጽፍንዩ
መንገደይ መንገዲ ዓወት’ዩ
ብርግጽ እነኹ ሰዊደ
ኣለኹ ዳግም ተወሊደ


እቲምንታይ ንዝመጸ ዕንቅፋት ኣለዎ ሂወት
ፊት ንፊት ገጢመ ተዓዊተ ተማእዚነ ክስተት
ዘመነይ ተቀያይሩ’ሎ ዘመነይ
ሎሚ ይሓይሽ ኣጸቢቑ ካብ ዓሚ

ኣብዛ ስሱዕ ዘመን
ዘመን ተቐላላዕ ተሓናኾል
ኣብዚ ጠላም ዘመን ተጎራራሕ ተተናኾል
ጥልዕ ጉንብሕ ጸሊአ ፎእ ኢለ ነጺገ
ስዒረ ንባርነት ናጽነተይ ዓዲገ

ዘመነይ ዘመነይ ተቐይሩ ኣሎ ሎሚ ዘመነይ
ሎሚ ይሓይሽ ኣጸቢቑ ካብ ዓሚ

ዋሃ ውሽጠይ ኣሚነ
ዋሃ ንዓይኒ ብርከይ
ዋሃ ኣብ ጸሎት ሓደ
ዋሃ ልዑል ኣምላኸይ

ሩፍታ ምስ ባህታ ዕግበት ምስ ደስታ
ኣብ ቤተይ የዕሲለ’ወ ዕጥቐይ ዘበለ
ሳላ ዝጸናዕኩ ኣብ በቕለይ ሰማይ በጺሑ ሓጎሰይ

ንሓደ ኣምላኽ ኣሚነ ሓደ ፈጣሪ
ንጸገመይ ንጸበባይ ዘተዓራሪ
ክቕጸል እየ ብዓወት ብዘይ ጥርጥር
ዓቢ ኣርእስቲ ዝሓዘ እንታይ ዘይሰግር

ሽሕ ዕንቕፋት የጋጥም ኣእላፍ ጸገማት
ተንኮል መስ ተንኮል የዋሰብ ትልሚ ድኹማት
ኣሰየ ኣሰየ ኣነ ሕጂ ይሕሽኒ
ኣነ ኣነ ወናም ይሕሸኒ

ዕቕሚ የብሉን ወዲኡ ዝበሎ ንኣመሎም ንኣመሎም ንኣመሎም’ዮም ንሶም ንኣመሎም
ሕጂ ነቒሑ ወዲኡ ዘበሎ ንኣመሎም ንኣመሎም ንኣመሎም’ዮም ንሶም ንኣመሎም

ንሓደ ኣምላኽ ኣሚነ ሓደ ፈጣሪ
ንጸገመይ ንጸበባይ ዘተዓራሪ
ክቕጸል እየ ብዓወት ብዘይ ጥርጥር
ዓቢ ኣርእስቲ ዝሓዘ እንታይ ዘይሰግር

ሽሕ ዕንቕፋት የጋጥም ኣእላፍ ጸገማት
ተንኮል ምስ ተንኮል የዋሰብ ትልሚ ድኹማት

ኣሰየ ኣሰየ ኣነ ሕጂ ይሕሽኒ
ኣነ ኣነ ወናም ይሕሸኒ

ዕቕሚ የብሉን ወዲኡ ዝበሎ ንኣመሎም ንኣመሎም ንኣመሎም’ዮም ንሶም ንኣመሎም
ሕጂ ነቒሑ ወዲኡ ዘበሎ ንኣመሎም ንኣመሎም ንኣመሎም’ዮም ንሶም ንኣመሎም