If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ምስላ
ሃሊሉ ንዝመጻካ ኣድጊ ኣኽቢድካ ጸዓኖ
ሃላይ ሰበይቲ ጸብሓ ይጥዕማ
ሃመማ እንተ ብዝሑ መኽደን ኣልባ ነይኸፍቱ
ህዉኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ። ህዉኽ ኣንጭዋ ዝደቀሰ ድሙ ይቕስቅስ
ላምሲ ኢዳ ዝቀርባስ ብእግራ ትሓክኽ
ላምካ አምባሕ ትበለልካ አምበር ዋላ ኣይትታሓለብ
ሌባ ሌባ ተበሉዋስ ሉዋ ሉዋ ዘሉዋ ይመስላ
ሓምሳ ለሚን ንሓምሳ ሰብ ጣዕሚ፡ ንሓደ ሰብ ሸኽሚ
ሓምቢሱ ዘይኽእል ቀላይ ኣይእቶ፡ ተቓሊሱ ዘይኽእል ቃልሲ ኣይፍቶ።
ሓሪስካ ምብላዕ እንከሎ፡ ክንድዚ ኩርንዒት ዶ ኣሎ
ሓሪጭ ሰይጣን ዚልቃሕ፡ ከይበልዕን ይብል ጋሕ
ሓሰኻ ደምበ ኣብ ዝለምለመሉ፡ ሕማቕ ኣብ ዝፈርሓሉ
ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት
ሓባል መጠመቲኣ ትኮሓል
ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ
ሓደ ከምዘይተወልደ ክልተ ክንዲ ሓደ
ሓደ ከይጽምብሩ፡ ጾሞም ይሓድሩ
ሓደ ዓመት ከይመሃሩ፡ ፯ ዓመት ይሓፍሩ
ሓደ ዝወሳዲኡ፡ ብዙሓት ተሓማይኡ
መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕኻዮም ይመጹ
ተባዕታይ ደርሆ እንተነቀውሲ፡ መሬት ብሳላኡ ትወግሕ ዘላ ይመስሎ፧
ብልዒ ሓላፋይ፡ ሽም ተራፋይ
ዑፉን ከም ሰብኣይ የጭሕም እሞ ከም ቆልዓ ይሕዘል
ካብ ጉይይ ምውዓል፡ ክሳድ ምሓዝ
ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደ ሃ ተዘይለመደ ጥራጥ ለመደ
ጉይይ ካብ ምውዓል ክሳድ ምሐዝ
መን መርዓት ምስ በለክን ትኩሓላ፧
መምሃርን ኣይግበርካ፡ መምሃርን ኣይኽላእካ።
ዓይኒ ኸዳዕ ነባዕ
ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ ይፎክስ።
ጊሔስ ክንዲ ትስተርሲ ትግተር
ዘረባ ብሩር፡ ስቕታ ወርቂ
ደርሆ ሓሚማትካስ በጊዕ ትሓርደላ
ኦም ረኺበ ኢልካ ኣይተጽልል፡ ጓና ፈቲየ ኢልካ ሓውኻ ኣይተቃልል
ዘይተማህረ ነይድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን
ካብ ሕሱም ጎረቤት፡ ካብ እሾኽ ምድርቤት የድሕነና
ክፉእ ካብ ዝገብሩኻስ ክፉእ ዘልምዱኻ
ተጽግበኒ ቅጫ ኣብ ምቅላ ኮላ ይፈልጣ
ተንኮል ንኣላሚኡ፡ ገመድ ንፋሓሲኡ
መን የርድእ ዝቐበረ፡ መን ይምከር ዝዋዓለ
ከም ኣሕዋት ተሓጋገዝ፡ ከም ጓኖት ተጻባጸብ
ኣይትጥለም ኣማኒኻ ከይጠልመካ ፈጣሪኻ
ተመን ዝርአ ብልሕጺ ተዳህለ
ቴዲ
ሕአጋዚአ
ሓጋዚ
ክንዲ
ባርያ ንሓጋዚ
ባርያስያ ንሓጋዚኢ
ብጎራሕ አይትገራህ ብዓሻ አይትመራሕ
ምስ ጸውዑኻ ምጻእ፣ ከይመነውኻ ውጻእ።
ኣንቱም
ምስላ ክአርያ ካብ ቁምነገር ይቀርያ
ኣሕዋት ምስ ሰመሩ
ንነገር