If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ዑስማን ዓብደርሒም

ሰላም ክብለኪ ሰላም(selam kebleki selam)
ሰላም ክብለኪ ሰላም ፍቐድለይ
ሰላም ክብለኪ ሰላም ሰላም ፍቐድለይ
በደልይ ኩሉ ኩሉ ሰርዝዮ ዋ…ኣሃ,,,,,
ኣይተሓዝለይ ኢኺ ይቕረ በልለይ

ጌጋ ምውዓል’ዩ ክብድል ነዓኺ
ሳሕታን ምውዓል እዩ እዚ ክፈድየኪ
ከምኡ ኣይነበረን ማሕላይ ኣብ ልዕሌኺ
ሎምስ ተጣዒሰ ይቅረ በልለይ’ኺ ዋ…ኣሃ,,,,,
ኣይተሓዝለይ ኢኺ ይቕረ በልለይ

ሰላም ክብለኪ ሰላም ፍቐድለይ
ሰላም ክብለኪ ሰላም ሰላም ፍቐድለይ
በደልይ ኩሉ ኩሉ ሰርዝዮ ዋ…ኣሃ,,,,,
ኣይተሓዝለይ ኢኺ ይቕረ በልለይ

ጎዶሎ ምስትውዓል ፎኪስ ሓሳብ ጌረ
ብዘይበደልክኒ ንሰምኪ ኣምሪረ
ንመዓር ጠባይኪ ናብ ዕረ ቀይረ
ዘፈጸምክዎ ብደል ግበርሉ ይቕረ ዋ…ኣሃ,,,,,
ኣይተሓዝለይ ኢኺ ይቕረ በልለይ

()

ብሕፍረት ዝኣክል ኪዛረብ ኣይከኣልኩን
መልከዐኛ እያ ኔራ መልከዐኛ እያ ኔራ
ተፍቅረኒ ኮ ኣይብልኩን
ኮኮባ ዘይድፈር ከምኣ’ኮ ርኤ ኣይፈልጥን
ቅርጺ ሰውነታ ቅርጺ ሰውነታ ካብ ኩሉ ዘህንን

ገጻ ብሩር ሕብራ ከደረይቲ ስና ንጹህ ዓይና ኩሕላይ
ሓፊረ ክነብር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ
መልእኽቲ መጻኒ መልእኽቲ መጻኒ
ስመይ ኣበይ ኢሉ ቾኪለ ኣንበብኩዎ ናይታ ቖንጆ ኮይኑ
ልበይ ተማሪኩ ልበይ ተማሪኩ
ሽዑ ተስፋይ ገኒኑ

ገጻ ብሩር ሕብራ ከደረይቲ ስና ንጹህ ዓይና ኩሕላይ
ልበይ ዝመሰጠት ሓንቲ ቃል ተጻሕፈት
እተን ፊደላም ምስ ረኣኹ ረሳዕክዎ ሕፍረት
ፈጺሙ መሰለኒ ዝኣተኹ ኣብ ገነት
እታ ቃል ድማ የፍቕረካ ኢያ ትብል ዝነበረት

እንከይበልኩስ ካብ ቀደምክኒ
ድልየተይ እዩ ምሳይ ክትኮኒ

ንዘይተረፍ ድየ እዚ ኩሉ ሃፊረ
ኣነስ ከይፈለጥኩ
ኣብ ገነት ሰፊረ
እቲ መልእኽትኺ ዘይሕሱብ ነበረ
ተፍቅረኒ እኳ ተፍቅረኒ እኳ ኣይመስለንን ኔረ
እንከይበልኩስ ካብ ቀደምክኒ
ድልየተይ እዩ ምሳይ ክትኮኒ