If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ደሃብ ፋቲንጋ

ቻው ቻው(chaw chaw)
ቻው ቻው ኣይትበለኒ በጃኻ (2)
ኮኾብና እምበር ሰብ’ዶ ኣጋጢሙና
ኣይወሰንኩን ኣነ ሕሰበሉ ንስኻ
ኣስሌና እንበር ኣሰራ ሰባት’ዶ ሰረትናዮ ፍቅሪ
ሓጎስ ቀነኣት ንምንታይ ክኹሪ
ሰብ ጌሩ ኣሎ ፍቅርና ሰላዪ ዘይደለይቲ
ክፈላልዩና ሕሱማት ጠመትቲ

ሓሪቀ ከለኹ ኣይፈትዎን ኢየ ኢለዮ
ናይ ልበይ ኣይኮነን እቲ ኣነ ዝብሎ
ብጌጋ’የ ብጌጋ እየ ናይ ልበይ ኣይኮነን
ብዘይካኻ ወዲ ወዲ ኣይኮነን
ምስክር ኣብ ናተይ ሓቂ ዝሓቆፈ
ናይ ሕልፊ ሓለፋ ክንዲ ሓሙስ ሓደ

ፍቅርና ክስረት ሰባት ዘይነበሩ
ፍቅርና ንኽፍጣሕ ሰባት ክጽንብሉ
ሓሰውቲ እዮም መጋገይቲ
ንዓንዶ ናብዚ ተላዘብ ንሓቂ
ትፈትወኒ እንዲኻ ከይሓባእካ ሓንቲ
ዘይንስኻ ኣይትምሰል መፍቶ’ዞም ሓመይቲ

ጽጋበይ ጽጋበይ ዘይንስኻ መን’ዶ ኣሎ እዩ ዓይነይ ዝመልኣለይ
ጽጋበይ ጽጋበይ መትነይ ዘራዚሩ ዝቕስቅስ ደስ ደሰይ
ጽጋበይ ጽጋበይ ኣይፈትዎን እንተለካ ሓሳዊት ኮይነ እንበር
ብውሽጠይ ዝጽለል ኣነ’የ ብልሳን ዘይንገር
ኣንታ ጥዑም ሕልሚ ደቂስካ ዘይድገም

ሓዴና ንህቢ እዩ ሓዴና ጽጌረዳ
ስምምዕ ኢና እወ ዝጋጠመ ኮኸብና
ምኩርራይ ድኣ መሳርሕ እንድዩ ኣብ ፍቅሪ
እሞ ክልቴና ኔው በሎ ሰማዒ

ልበይ ርሑው ኣሎ ንዓ ናብ ገዛ
መሰነይታ ናቱ ንዓ ንበይንኻ
ሰማዒይ ዝደሊ ባዕሉ ኣሎ እንዶ ጎይታ
ንፍቅሪ ድባቡ ዝዝርግሕ ደስታ