If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ብስራት ኣረጋይ

ሸዊት ስገመይ(Shewit Sgemey)
የሒሙኒ እንዲዩ ቲሒማመይ
የሒሙኒ እንዲዩ ቲሒማመይ
ደዋዊልካ ዘይትብለኒ ከምይ

የሒሙኒ እንዲዩ ቲሒማመይ
የሒሙኒ እንዲዩ ቲሒማመይ
ብቴሌፎን ዘይትብለኒ ከመይ

ጸሊኤያ ነፋሪት ዝብልዋ
ጸሊኤያ ነፋሪት ዝብልዋ
ወሲዳትካ ንካርቱም ንጁባ
ወሲዳትካ ንኩዌት ኦታዋ

ነገር ዓለም ዘይተርፍ ኮይኑኒ
ነገር ዓለም ዘይተርፍ ኮይኑኒ
ብድሕሬኻ ካልእ ሒዙኒ
ክጽወዖ ስምካ ሞሊቁኒ
ክጽወዖ ስምካ ሞሊቁኒ
ምሳኻ ዘይከደ ፍቕሪ ኣሎኒ
ምሳኻ ዘይከደ ፍቕሪ ኣሎኒ ... ኣሔይ

ሸዊት ስገመየ ... ስገመይ
ሸዊት ስገመየ ... ስገመይ
ሸዊት ስገመየ ... ስገመይ
ሸዊት ስገመየ ... ስገመይ

ከመይ ኢኻ ኣንታ ከመይ ኢኻ
ከምይ ኢኻ ኩመን ከምይ ኢኻ
ኣብ ትርኣሰይ ዝሓድር ምስልኻ
ሕርስ ዝኸርመኒ ናፍቖትካ
ዑፍ ምስቀል እካ ትነግድ ዝብሉኻ
ምጸኒ'ንዶ ዓይነይ ክሪኤካ

ኣቤርቶ ኣቤርማን ኣቤርቶ
ናፊቐካ ኣነ ኸማን
ናፊቐ ኣነ ኸማን
መሓዛይ(Mehazay)
መሓዛይ ሓንቲ እንኮ ማዕተበይ
መሓዛይ መቛሕምቲ ሓመደይ
መሓዛይ ውላድ እባ ህረፊ
መሓዛይ ሓድጊ ከተትርፊ

ጽብቕቲ ኢኺ ምሒር ተደላይት
ሃነን ተብሊ ትምንጥዊ ዕግበት
‘ታይ እሞ ዓብስ መርዓ ተሓሪምኪ
መሓዛይ ፈርሐ ዕድመ ከይሃድመኪ

ጽቡቅ እዩ ስኡን እንደሞ ኮይኑ
ርኹብ እዩ ኽፉእ ኣንደሞ ኮይኑ
እንዳበልኪ ከተቃይሒ
ብዘይ ሓደ ጎበዝ መሬት ከተውግሒ

ግዜ ደንዳን’ዩ
መልክዕኪ ምስ ወሰደ
ዕድመ ሃዲሙ ማህጸን ምስ ሓንገደ

ጣዕሳ ከይወርደኪ ጽባሕ ዝወለድናዮም ርኢኺ
መሓዛይ ሓዳር ግበሪ ውለዲ በጃኺ

ውላድ እዩ ዓለም እንታይ ትርፋ
ውላድ ስኢነን ይውዕላ ኣለዋ ደብሪ ክጥፍጥፋ

ቅንኢ’ባ በጃኺ ምቅያሕ ኣኽለኪ
ሎሚ ዝወለድክዮ እዩ ጽባሕ ዝመርሓኪ