If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሰይድ ብርሃኑ

ሄዋነይ(hiewaney)
ሄዋነይ ሄዋነይ ከመስግነኪ ብዓቕመይ
ቀዳዊት ፈውሲ ሕማም ኣመለይ
መፋጥርቲ ኣዳም
ሄዋነይ ሄዋነይ ክብረተይ ኢኺ ኣቲ ጽላለይ

ቀሲንኪ ንበሪ ንስኺ ኣብ ዓለም
ጠዋሪተይ ሰዓሪት ጸገም
እንታይ እሞ ምኾንኩ ንስኺ ዘይብሉ
ሄዋን ልዕሊ ኹሉ
ምቅርተይ ኢኺ ኣቲ መዓር ንህቢ
ኣዛይድኪ ፍቅሪ ትምግቢ
ክብርቲ ፍጥረት መዘና ሂወተይ
ትንፋሰይ ኢለኪ እንድየ መትኒ ህላውይ
ሩሐይ ኢለኪ እንድየ መትኒ ህላውይ

ኣደ እንዲኺ ኣደ ኣደ እዛ ዝያዳ
ሂወታ ትውፊ ስለ ውሉዳ
ሓፍቲ እንዲኺ መኽበሪት ንሓዋ
ኣለኹ ትብሊ ኣብ ጸገም ራህዋ
እመንቲ እንዲኺ ንናብራ ሓዳር
ስረ ተዕጥቂ ተመጸ ሽግር
ውላድ እንዲኺ ፈታዊት ኣቡኣ
ፍቕሪ ትምህር’ሳ ብግዲኣ
መሓዛ እንዲኺ መማኽርቲ ምስጢር
ትርጉም ምሕዝነት ንስኺ ምስክር
ሄዋን ዘይብሉስ እንታይ ምኾነ
ብሳላኺ’ባ ኣነ ቀሲነ
ብሳላኺ’ባ ሂወት ወኒነ
ዕንባባ ዘንጊሒለል እንኪ ፍቕሪ ዘይብለል
ሄዋነይ ድምቕቲ ቐንዴል ኣለኪ ተስፋ ዘይሕለል

ማዕዳኺ’ዩ ዝነብረሉ ዝምረሓሉ
ማዕዳኺ’ዩ ኣፍቒረ ዝኸብረሉ
ማዕዳኺ’ዩ ተሳልየ ዝነብረሉ
ተስፋኺ’ዩ ሄዋን ብሓጎስ ዝጎዓዘሉ

ፌስታኺ’ዩ ዕሰሌ ክብሎ ማንም ዘይዓሰሎ
ኣነ ክዝይም ሰሌኺ ሒዝኪ ከበሮ
ልቢ ፍቕርና እዩ ዘብርር ልሳን እልልታ
ተጠማሚርና ንለሃይ ፌስታ እዩ ፌስታ
ሕልሚ ድዩ ጋህዲ እንድዕለይ
ማሚቐ ኣለኹ በዴታተይ
ማሚቐ ኣለኹ ሄዋናተይ
ማሚቐ ኣለኹ ምስ የሕዋተይ

ሳላኺ ሄዋን መቂሩ እዋን
ቀሲነ ብኣኺ ምስጋናይ ንዓኺ
ኣሰና ኣሰና’የ ከምዚኣ እንዳብልና ምቕናይና
ኣሰና ኣሰና’የ ከምዚኣ እንዳብልና ምሕዋስና