If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሌላ ክፍሎም

ጥዑም ከይተባህለ(Tium Keytebahle)
ጥዑም ከይተባህለ ጥዑም'ሲ ሓሊፉ
ዘይሃስስ ዝኽርኻ ኣብ ልበይ ገዲፉ
ጥዑም ከይበልናዮ ጥዑም'ሲ የሕሊፍናዮ
ፍቅርኻን ጣዕምኻን ሎሚ ዘኪረዮ
ጽምዋ ምኽኣል ሰኢነ ንስምካ ይጽውዕ ኣለኹ
በጃኻ ተዳሃየኒ ይናፍቐካ ኣለኹ


ሃመይ ቀልበይ ምሳኻ ከይዱ
ጥዑም ሕልመይ ውን ወሲድካዮ
በጃኻ ተመለሰኒ ሕቑፎኻ ናፊቀዮ

ከም ዑፍ በሪረ ምመጻኹ
እንተዝፈልጥ ኣበይ ከምዘለኻ

ኣበይ ኮን ትህሉ ኣታ ተናፋቒ ፍቕረይ
ከይቀስን ከይቀብጽ ሓዲግ ጌርካዮ ንልበይ
ፍቕረይ ኣይትከወለኒ
ንዓ ሎሚ ሰብ ኩነኒ
ብረቕ እባ ከም ጸሓይ
በጃኻ ኣይተጸምወኒ

በጃኻ ምጸኒ ናይ ዘልኣለም ዓለመይ ኢኻ
ካብ ልበይ ዘይክወል ዘይርሳዕ እዩ ዕላል ጸወታኻ