If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ዳኒኤል ተከስተ

መሓርኒ(meharni)
ተሃዊኪ ዝመስረትክዮ ዘይዕዉት ሓዳር ምስ ፈሸለ
ብሰንኩ ኢየ ኢልኪ ተማርሪ አንታይ በዲለ
ፈቃር ልበይ ብጥልመትኪ ከቢድ ጓሂ እንዳ ጎሃየ
መዓስ እሞ ረጊመኪ እንተ ምንባዕ'ሲ ነቢዐ'የ
ነስኺ ግን ተኽፍእኒ ሕማቕ ፋል ጌሩለይ እናበልኪ
መሓርኒ መሓርኒ'ዶ መሓርኒ መሓርኒ

ክትሓምኒ'ኮ ኣይደልን ይትረፍ ሕሰምኪ ክልምን
ንብዓት መርገም እንተኮይኑ ከኣ
ይቕረ ክሓትት ደኒነ

ርብሕቲ ምስ ርቡሕ ዝብል ፍልስፍና
ርጉም ሰብ ረኺብኪ ዘዋስብ ምስ ጓና
ዝባነይ ከም ዝባኑ አንተዘይ ለበሰ ባኖ
ኣነ ምኾንኩልኪ ከም ለዋህ ወደኖ
ጓና'ኳ ጓና እዩ እሞ ኽኣ ብዘይ ፍቕሪ
ምስ ዘይትፈልጥዮ ከመይ ኢልኪ ክትከብሪ

ተሃዊኪ ዝመስረትክዮ ዘይዕዉት ሓዳር ምስ ፈሸለ
ብሰንኩ ኢየ ኢልኪ ተማርሪ አንታይ በዲለ
ፈቃር ልበይ ብጥልመትኪ ከቢድ ጓሂ እንዳ ጎሃየ
መዓስ ኣሞ ረጊመኪ እንተ ምንባዕ'ሲ ነቢዐ'የ
ነስኺ ግን ተክፍእኒ ሕማቕ ፋል ጌሩለይ እናበልኪ
መሓርኒ መሓርኒ'ዶ መሓርኒ መሓርኒ

ክትሓምኒ'ኮ ኣይደልን ይትረፍ ሕሰምኪ ክልምን
ንብዓት መርገም ኣንተኮይኑ ከኣ
ይቕረ ክሓትት ደኒነ

ርብሕቲ ምስ ርቡሕ ዝብል ፍልስፍና
ርጉም ሰብ ረኺብኪ ዘዋስብ ምስ ጓና
ዝባነይ ከም ዝባኑ አንተዘይ ለበሰ ባኖ
ኣነ ምኾንኩልኪ ከም ለዋህ ወደኖ
ጓና'ኳ ጓና እዩ እሞ ኽኣ ብዘይ ፍቕሪ
ምስ ዘይትፈልጥዮ ከመይ ኢልኪ ክትከብሪ

መሓርኒ'ዶ መሓርኒ መሓርኒ'ዶ
ሰለ ነዛ ነብሲ ባዕልኺ ጠሊምኪ እንዳ ኣቕረብኪ ክሲ
ሰመይ እንዳ ኣጸለምኪ ከብረይ ኣይተህስሲ
ኣነስ ምፍቃር እምበር ኣይለመድኩን ባእሲ
ኣየ ሰብ ኢሎሞ ብመልክዕን ሃብተን አንተተማሪኹ
ካብ ፍታሕን ካብ ጽድቅን ይሃድም ኣርሒቑ
ነዚ እንድዩ ነዚ እንድዩ
ኩሉ ዝረግመኒ ነዓኺ መሪቑ