If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ሰናይት ኣሚነ

ለሚነየ(Leminey)
ብዘረባ ኣይክእሎንየ ኣይካሎንየ ካላት ይውሕደኒ
ከይነግረካ ኣይደፍር ኣይደፍርን እየ ትብዓት ይሓረኒ
ሱቕ ከይብል ከኣ ከይብል ከኣ ነብሰይ ይገንሓኒ
ክሳብ ዝለምደካ ዝለማመደካ
ክሳብ ዝለምደካ ዝለማመደካ
ጽቡቕ ጌረ ዘረድኣካ

ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ቋንቋ ለዎ ፍቕረየ በጃኻ
ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ቋንቋ ለዎ ፍቕረየ በጃኻ

ኣብቲ ጥዑም ግዜ ናይ ፍቕሪ እንካን ሃባን
ክረኽበካ ይህቅን ብ ዋዛን ዕላልን
ማዕሬኻ ክሰጉም ማዕሬኻ ክሳሊ
ኣቕልበሉ ልበይ እንታይ ከምዝደሊ

ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ቋንቋ ለዎ ፍቕረየ በጃኻ
ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ተረድኣኒ’ኻ ቋንቋ ለዎ ፍቕረየ በጃኻ

እቲ ዝኣምነሉ ከምኡ ኢየ ዝደሊ
ፍቕሪ ዶ ኣለካ ፍጹም ዘይበሊ
ወትሩ ፍሽኽታ ሓንሳብ ምስ ሓዘ
ፈገግ ዘይብል ዘየፍዝዝ’የ
ኣታ በል ኣታ በል
ፍርድካ ኣቕልሎ
ቀልጢፍካ ምጸኒ ወሲንካ ተሎ ተሎ’የ ተሎ

ሓልዎ ንፈቕሪ ፈቃር እዩ ዝደሊ
ሰዓቦ ንፍቅሪ ሰዓቢትካ ኣለሊ
ሰላመይ ዘሪግካ
ሰላም ከሊእካኒ
ቋንቋ ኣለዎ ፍቕሪ
ቃላቱ’ባ ኣለሊ ቃላቱ’ባ ኣለሊ

ታ ለሚነየ ለሚነየ ……….. ለሚነየ ለሚነየ
ታ ለሚነየ ለሚነየ …….ለሚነየ ለሚነየ ለሚነየ